እቲ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት
ምክልኻል ሓድነትን ምክብባርን ሰናይ ምሕደራን ከምዘሎ ንምምሳልን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንምትላል ተባሂሉ ብሽም ሰራዊት ዝኻየድ ዘሎ
መምሰላይ በዓል ህዝቢ ዘይተቐበሎ ምኳኑ ብነበርቲ ከታማ ሽረ-እንዳስላሰ ምርግጋፅ ይከኣል እዩ ዝበለ እቲ ሓበሬታ ኣብቲ ኣብ ከተማ
ሽረ ዝተፀወዓ ህዝቢ ናብ ሰላማዊ ሰልፊ ብዘይምውፅኡ ኣማሓዳሪ እታ ከተማ ፍስሃ ውበት መደረ ከየስመዐ ሕፍረት ተጎልቢቡ ዝሓሰቦ መደረ ከየስመዐ ንገዝኡ ከምዝኸደ
ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
እቲ ኣብ ከተማ ሽረ
ብካድረታት እቲ ስርዓት ዝተፀወዐ ሰላምዊ ሰልፊ ህዝቢ ዘይተቐበለሉ ምኽንያት እንትግለፅ። ኣብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ናይ ህዝቢ
መሰረታዊ ጠለባት ከማልእ ብዘይምኽኣሉ ኣብ ከቢድ ናይ መነባብሮ ፀገም ወዲቑ እናሃለወ ካርዲ መረፃ ዘይሓዘ ሰብ ካብቲ ከባቢ ይልቀቕ
ካብ ሃገርና ይዉፃእ ብምባል ዜግነታዊ መሰል ህዝቢ ብካድረታት እቲ ስርዓት ይገሃስ ስለ ዘሎ። ንዝኾነ ይኹን በቲ ስርዓት ንዝመፁ
መደባት ከተግብር ድሉዉ ከም ዘይኮነ ህዝቢ እታ ከተማ ወግዑ ጌሩ ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣
ብተወሳኺ እቶም ኣብ
ከተማ ሽረ እንዳስላሰን ከባቢኣን ዝርከቡ ካድረታት ህወሓት-ማሌሊት ናይ መረፃ ካርድ ዘይሓዘ ስብ ከም ሽኮር፤ ዘይትን ካልኦት ጠለባትን
ከም ዘይወሃቦ ሕዚ’ውን እናደጋገሙ ትእዛዝ ቀፃሊ የውርዱ ከም ዘለው ተፈሊጡ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ
ን11 ለካቲት ገንዘብ ክዋፅእ ብ4 ለካቲት/2005 ዓ/ም ትእዛዝ እዃ እንተወረደ። ብህዝቢ ዝተዉሃበ ግብረ መልሲ ግና እቲ በዓል
ደቕና፤ ኣሕዋትናን ኣቦታትናን መስዋእቲ ዝኸፈልሉ እኳ እንተኾነ። መስዋእቶም ከንቱ ኮይኑ ዉሕዳት ጉጅለን ኮራኹሮምን ይዕንድርሉ ኣብ ዘለዉ። ኣብዝሓ ዝህቢ ግና ቆላሕ ዝብሎ ስኢኑ ኣብ
ከቢድ ናይ መነባብሮ ፀገም ወዲቑ እናሃለወ ንባዓል ተባሂሉ ገንዘብ ኣይንኸፍልን ክብል ብምረት ፅላኣቱ ይገልፅ ከም ዘሎ እቲ ዝተረኸበ
ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣