ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ካብቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ተማሃሮ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ሓጎስ ኣስመላሽ ወዲ ናዕዴር
ዓዴት፤ ትርሓስ ፍስሃየ ጓል ከባቢ ላዕላይ ማይ ጨውን ዮናስ መሓሪ ወዲ ሑሞራን ምዃኖም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። እቶም ዓሰርተ መማህርቶም
ተማሃሮ ክሳብ ዘይተፈትሑ ዘልዓልዎ ሕትኦም ክሳብ ዘይተመለስን ተቓዉምኦም ቀፃላይ ምዃኑ ተማሃሮ ኣኽሱም ዩኒቨርሲቲ ምግላፆም ካብ
ከተማ ኣኽሱም ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
እቶም ኣብ ዝሓለፈ ፌደራል ፖሊስ ብዝተኮስዎ ጥይት ዝተወቕዑ ተማሃሮ ኣወል መሓመድ ወዲ ዓዲ-ግራትን እንትኽዉን
ኣንጀሎ እንኩዬ ድማ ተወላዲ ብሄር ጋምቤላ ምዃኑ ተፈሊጡ፣
ብተመሳሳሊ ብ3 ለካቲት 2005 ዓ/ም ንጉሆ ብኣሻሓት ዝቁፀሩ ተማሃሮ ጂማ ዩኒቨርሲቲ ዝኾኑ ኣመንቲ እስልምና።
ነቲ ብኣምባገነን ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ብኢቴቪ ዝተመሓላለፈ ‘’ጀሃዳዊ ሓረካት’’ ዝብል ናይ ሓሶት ድራማ ብምቅዋም ናብ ከተማ
ጂማ ብምውፃእ ተቃዉሞኦም ከም ዘስምዑ ተሓቢሩ፣
ተወሳኺ ሓላዊ ድሕንነት ህዝቢ እንተይኮነስ ሓላዊ ናይ ሓደ ኣምባገነን ውድብ ዝኾነ ፌደራል ፖሊስ። ነቶም
ተማሃሮ ዕግርግር ክፍጠር እዮም ብምባል ጠበንጃን በትርን ብምዉዳድ ኣብ ልዕሊ ተቓዉምኦም ንዘስምዑ ዝነበሩ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ንምዉሳዳ
ተሃዲዶም እኳ እንተነብሩ። ተማሃሮ ተቃውሞኦም ኣስሚዖም ብዘይ ዕግርግር ናብ ዝመፅዎ ብምምላስ ትፅቢትን ሓረርታን ፌደራል ፖሊስ
ከም ዝፈሸለ ተፈሊጡ፣