Saturday, February 16, 2013

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብ ከተማ ማይጨው ዝርከቡ ካድረታትን ሽሞኛታትን መሬት ህዝቢ ምስ ዉልቀ ሰብ ሃፍቲ ተሻሪኾም ይሸጥዎ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣




እዚ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ከተማ ኣላማጣ ካብ ህዝቢ መሬት መንጢልካ ንሰብ ሃፍቲ ናይ ምሻጥ መስርሕ ዝካየድ ዘሎ ሕገ መንግስታዊ ድንጋገ ዝጠሓሰ ኮይኑ። ነቲ መሬት ህዝብን መንግስትን ኣይሽየጥን ኣይልወጥን ብዝብል ኣብ ሕገ መንግስቲ ብንፁር ተቐሚጡ ዘሎ ምጥሓስ ድማ ብዘዉፅኦ ሕጊ ዘይግዛእ ስርዓት ወያነ ንህዝብታት እቲ ከባቢ ኣስጊእዎም ከም ዘሎ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ካብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
እቲ ብኣመሓደርቲ ስርዓት ወያነ መሬት ሸይጥካ ዘይተኣደነ ገንዘብ ምኽዕባት እምበር ህላወ ህዝቢ ዘይግድሶም ምዃኑ ብተግባር ኣብ ዝባኖም ክፍፀም ብምዕዛቦም ስለ ዘቖጥዖም። ነቲ መሸጣ መሬት ብምቅዋም “ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝሰፈረ ድንጋገ ክኽበር፤ ህላወ ህዝብታት ቀዳምነት ክዋቦምን ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ብሰላም ናይ ምንባር መሰሎም ክሕለወሎም”ን ወዘተ ዝጠልብ  ነበርቲ ከተማ ኣላማጣ ናይ ተቓዉሞ ሰለማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ተፈሊጡ፣