ኣብቲ ንክልተ መዓልቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ናይ’ቲ ወረዳ ምምሕዳርን
ኣብታ ወረዳ ናይ ዝርከባ ሴክተራት ሓለፍቲን ኣብ ዝተረኸበሉ ከም ኣጀንዳ ዝቐረበ። ሓሳብ ‘’ዝተወደበ ናይ ሓመድን ማይን
ዕቀባን ናይ ልምዓት ባኬጅን ንምትግባር” ዝብል እኳ እንተነበረ። በቶም ተኣከብቲ ተቓዉሞ ከም ዘጋጠሞ ካብ ተሳተፍቲ ዝተረኸበ
ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣
ብኣንፃሩ ካብቲ ብሰበስልጣን ስርዓት ወያነ ዝቐረበ ኣጀንዳ ወፃኢ
ኣብቲ ኣኼባ ብተሳተፍቲ ዝተለዓሉ ነጥብታት። ህዝቢ ብስእነት ሰናይ ምምሕዳር ይከላበት ከም ዘሎ፤ ብሕፅረት መድሓኒት ብርክት
ዝበላ ኣዴታትን ህፃናትን ዝርከብኦም ሕሙማት ንስቓይን ሞትን ከም ዝቃልዑ፤ ብፀገም ፀጥታ ህዝቢ መዓልታዊ ምንቅስቓሱ ዉሕስነት
ይስእን ከም ዘሎን ብሓፈሻ መላእ ሕብረተሰብ ብከቢድ ፀገም መነባብሮ ዓቕሉ ፀቢብዎ ሰለ ዝርከብ። ቅድሚ ዝኾነ መድባት ቀዳምነት
ሂብካ ክፍታሕ ዘለዎ እዩ ብምባል። በቶም መራሕቲ ኣኼባ ንዝቐረበ ሓሳብ ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝተቓወምዎ ተፈሊጡ፣