ኣብ ኣባይ ግድብ ዝረአ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ
ፀገማት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፈአ ይኸይድ ብምህላዉ። ነዚ ንምስትኽኻል ብዝብል ናይ ሳሊኒ ካምፓኒ በዓል ስልጣን ኢንጅነር ባርዲ ነቶም ሰራሕ ደዉ ዘበሉ
ኣንቀሳቐስቲ ማሽነሪታት ንምዝሕሓል ሓሲቡ ዘካየዶ ኣኼባ ከም ዘይኮነሉን። እኳ ደኣ ዝበኣሰ ናይ ተቓዉሞ ስምዒት ከም ዘለዓዓለ
ካብቶምም ሰራሕተኛታት ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
እቲ ኣብ ግድብ ኣባይ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት
ዜጋታት ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ፀገም ማሕበራዊ ህይወት፤ ፍትሓዊ ምሕደራ ዘይምህላዉን ምስ ድኻሞም ዝመጣጠን ክፍሊት ዘይምህላዉ
ፍታሕ ክግበረሉ ግዳያት ብተደጋጋሚ ክሓቱ እኳ እንተፀንሑ። ብመንግስቲ ይኹን ብሓለፍቲ እተን ኣብቲ ፕሮጀክት ዝርከባ ካምፓኒታት
ቆላሕታ ተዋህብዎ ክፍታሕ ብዘይምኽኣሉ። ሰራሕተኛታት ነቲ ስራሕ እናራሕርሑ ናብ ዘዋፅኦም መማረፂ ስራሕቲ ይኸዱ ከም ዘለዉ
ተፈሊጡ፣