ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ኢትዮጵያ ፀረ ሽበራ ሕጊ ኣብ ልዕሊ
ጋዜጠኛታት ብዝኸፈአ መንገዲ ስለ ትጥቀመሉ ዘላ ደረጃ ኣተሓሕዛ ጋዜጠኛታት ኣብ ኣተሓሳሳቢ ብርኪ ወዲቑ ብምህላዉ ቅድም ክብል
ካብ ዝነበራ ኣቀማምጣ ብዓሰርተ ወሪዳ ካብ ሃገራት ዓለም መበል 137 ኮይና ከም ዝተቐምጠት እቲ ትካል ኣብዚ ቅነ ኣብ ዘዉፅኦ
ፀብፃብ ኣፍሊጡ፣
ሚስተር ኣምብርዋዝፒየር ኣብ ኣፍሪካ ናይ ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት
ጉጅለ ዴስክ ሓላፊ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ከም ዝበልዎ። ኣብ መዳይ ሓሳብካ ብነፃ ኣብ ምግላፅን ብነፃነት ፕረስን ኣብ ኢትዮጵያ
ኣብ ኣተሓሳሳቢ ብርኪ ከም ዝርከብ ምስ ገለፁ። ኢትዮጵያ ምስ ሽብርተኝነት ኣተኣሳሲራ ክልተ ስዊድናዉያን ኣብ 2011 ድሕሪ
ምእሳራ። ብፀቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም ትካላት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም
ዋላ እኳ እንተለቐቐቶም። ኩነታት ጋዜጠኛታት ዉሽጢ ሃገር ግና ሕዚ እዉን ኣብ ከቢድ ፀበባ ተሓሊኾም ከም ዝርከቡ
ገሊፆም፣
ኣስዒቦም ኣምብርዋዝፒየር ኣብ ዘረብኦም። ኣብ
ኢትዮጵያ ዘለዉ ፀገማት እቶም ሰበ ስልጣን ዝጥቀምሉ ፀረ ሽበራ ሕጊ ነፃነት ሓበሬታ ንምግታእ ኮነ ተባሂሉ ዝወፀ ጉዳይ እዩ
ምስ በሉ። ብሰሪ እዚ ሕጊ እዚ እዉን ከም በዓል ርእዮት ኣለሙ፤ ዉብሸት ታየን እስክንድር ነጋን ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ
ጋዜጠኛታት ፀሓፍትን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ብዘይሓደ ተስፋ ይማስኑን ይሳቐዩን ከም ዘለዉ ኣገንዚቦም፣