ስርዓት
ወያነ ኢህወዴግ ኣብ መላእ ሃገርና ኢትዮጵያ ነጋዶ ካብ ዓቕሞም
ንላዕሊ ምስ ኣታዊኦም ዘይመጣጠን ዝተወሰነሎም ግብሪ ክኸፍልዎ ብዘይምኽኣሎ። ትካላቶም ብምዕሻግ ካብ ስረሖም ክእለዩን ኣደዳ
ድኽነት፤ ከርተትን ስደትን ይገብሮም ብምህላው ማሕበረ ሰብ ንግዲ
ከተማ ሸራሮ ኣብ ዝኸፍአ ኢኮኖሚያዉን ማሕበራዉን ህይወት ወዲቖም ከም ዝርከቡ ካብታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ብመሰረት እቲ
ሓበሬታ።-
1. ኣቶ ዮሓንስ ዓንደይ ወናኒ እንዳ ስጋ 280 ሽሕ
2. ኣቶ ሃይለ ወናኒ ሸቐጣ ሸቐጥ ድንኳን 300 ሽሕ
3. ኣቶ ሓዱሽ ሙሉ ወናኒ መሸጢ ናይ ህንፃ መሳርሒ 1.6 ሚልዮን
4. ኣቶ ሓጎስ ኣማረ ወናኒ እንዳ ሸቐጣ ሸቐጥ ድንኳን 113 ሽሕ
5. ኣቶ ኣታኽልቲ ባህልቢ ወናኒ መሸጢ ኤሌክትሮኒክስ 180 ሽሕ
6. መንግስቱ ይርጋኣለም ወኪል መከፋፈሊ ዳሽን ቢራ 4.4 ሚልዮን
7. ጨበር ዝተብሃለ ተጋዳላይ ነበር ወናኒ እንዳ ሸቕጥሸቐጥ ድንኳን 260 ሽሕ
8. ሃይለ ውቁጥ ወናኒ እንዳ ሸቐጣ ሸቐጥ ድንኳን 300 ሽሕ ክኸፍሉ ዝተወሰነሎም
እንትኾን፣
ነጋዶ ከተማ ሸራሮ ነዚ ተወሲንዎም ዘሎ ምስ ኣታዊኦም ዘይመጣጠን ግብሪ ዘኽፍል ዓቕሚ
ስለዘይብሎም። ሰሪሖም መነባብርኦም ዝመርሕሉ ትካላቶም ብምዕሻጉ። ነብሶምን ስድረኦምን ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቖም ከም ዘለዉ
እቶም ግዳያት ብምረት ገሊፆም፣ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ዝተፋላለዩ ካባቢታት ሃገርና ዝርከቡ ወገናት ናይዚ ግዳያት ምኾኖም ኣብ
ከተማ ሸራሮን ዓዲ ሃገራይን ኣሕልፍና ምንባርና ይዝከር፣