ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ እዞም ኣብ ክልል
ደቡብ ወረዳ ጉርዳ ፍርዳ ዝነብሩ ዜጋታትና። ብትእዛዝ ሰበ
ሰልጣን ወያነ ገዝኦምን ሕርሻ መሬቶም ተመንጢሎም ክፋናቐሉ ይግበር ምህላዉ ድሕሪ ምግላፅ። ብሰንኩ ድማ መብዛሕትኦም እግሮም
ናብ ዝመርሖም ይጠፍኡ ከም ዘለውን ገለ ክፋሎም ድማ ኣብ
ከተማታት ሚዛን ተፈሪ፤ ጅማ፤ አምቦን አዲስ አበባን ኣብ ጎደናታት ሰፊሮም ግዳይ ፀሓይን
ንፋስን ኮይኖም ብልመና መነባብሮኦም ክደፍኡ ይግደዱ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣
ኣብ ልዕሊ እዞም ዜጋታት ዝፈፀም ዘሎ ዘርኢ ናይ ምፅናት ዘመተ ብዝሓየለ
መልክዑ ይቕፅለሉ ከም ዘለዉን። ብፍላይ ከዓ ብ21 ጥሪ 2005 ዓ/ም ካብ
ኣማሓዳሪ እታ ወረዳ ዝተልኣኹ ወተሃደራት ወያነ ኣደ ሾመንተ ቆልዑ ዝኾና
ወ/ሮ ስንዴ ስጦታው ዝተበሃላ ወላዲት ብጥይት ወቒዖም ከም ዝቐተልወንንን ህፃውንቲ ደቀን ብዘይ ኣላዬ ተሪፎም
ብዝተፈላለየ ማሕበራዊ ፀገም ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ተገሊፁ፣