Monday, February 4, 2013

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ፍኖተ ሰላም ካብ ቀበሌ ክሳብ ወረዳ ንዝርከቡ ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን። ካብ ወልፊ መስተ ነፃ ምዃንኩም ዝገልፅ መረጋገፂ ኣምፅኡ ዝብል ትእዛዝ ከም ዝወረዶም ተሓቢሩ፣



ብመስረት ካብ ከተማ ፍኖተ ሰላም ዝተረኸበ ሓበሬታ ነቶም ካብ ቀበሌ ክሳብ ወረዳ ዘለዉ ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን ብሓላፊ ፀጥታ እታ ወረዳ ዝተውሃቦም ካብ መስተን ሓሽሽን ነፃ ምዃኖም መረጋገፂ ከቕርቡ ዝጠልብ ትእዛዝ። ነቶም ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን ዘገረመ ዘይልሙድ መምርሒ ብምዃኑ ኣብ ዘይተረጋገአ መንፈስ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣

በቲ ኣብ ስልጣን  ዘሎ ስርዓት ወሪዱ ዘሎ ትእዛዝ ንምንታይ ምዃኑ እኳ ግልፂ እንተዘይኮነ። እቶም ሓዱሽ ትእዛዝ ዝወረዶም ናይ ወረዳታትን ጣብያታትን ሓለፍቲ ነቲ ሓሳብ ቅቡል ስለ ዘይገበርዎ። ሰበ ስልጣን ወያነ ኢህወዴግ ንባዕልቶም ዝወረርዎ ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ኣመዝጊቦም ናብ ልምዓት ሃገር ኣታዊ ተዝገብርዎ ይሓይሽ ክብሉ ይዛረቡ ከምዘለው ካብ ከተማ ፍኖተ ሰላም ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣