ኣማሓደርትን ካድረታትን ክልል ኣምሓራ ክሳብ ታሕቲ ብዘዉረድዎ ትእዛዝ መሰረት ንሓረስቶት እቲ ክልል ልምዓት
ጉጅለ ብዝብል ወዲቦም። ነቲ ንመሸቀጢ ክጥዕሞም ታሪኽ መለስ ብዝብል ፅሒፎም ኣዳስ ራኢ ኣብ ዝሰየምዎ መፅሄት። ኣብ ዞባ ምዕራብ
ጎጃም ኣማሓዳሪ ወረዳ ወንበርማ ጌትነት ዝተበሃለ ሓረስቶት ነታ መፅሄት ንኽዕድግ የገድድ ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብታ ወረዳ ገሊፆም፣
ብተወሳኺ ኣብ ወንበርማ ዝርከቡ ኣባላት ብኣዴን-ኢህወዴግ ናይ ኣባልነት መዋጮ ኣይንኸፍልን ኢሎም ብምቅዋሞም
በቶም ዕሉላት ካድረታት ብኣዴን ኢህወዴግ ናይ ምፍርራርሕን ምግልታዕን ፀቕጢታት ይወርዶም ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣
እቶም ኣባላት ብኣዴን መዋጮ ኣይንኸፍልን ብምባሎም ኣብ ዉሽጢ ወረዳ ወንበርማ ካብ ዝርከባ ቀበሌታት ዝተበደበ
ዓመታዊ ባጀት ተቖሪፁ ናብ ዉድብ ብኣዴን ኣታዊ ብምግባር ክሽፈን ብምባሉ ነበርቲ እተን ቀበሌታት ተቓዉምኦም ይገልፁ ከም ዘለዉን።
ከምኡ’ዉን ኣብታ ወረዳ ንዘሎ ንዝተፋላለየ ኣገልግሎት ጥዕና ተባሂሉ ካብ ለገስቲ ትካላት ዝተረኸበ ገንዘብ ንኣበል መኽፈሊ ኣባላት
ካቢኔ እታ ወረዳ ክዉዕል ብምግባር ካብ ኣገባብ ወፃኢ የጠፋፍእዎ ከም ዘለዉ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣