እቲ ብቤት
ፅሕፈት ፖሊስ ክልል ትግራይ ሓደስቲ ፖሊሳት ንምምልማል ዝወፀ ምልክታ። ብምርኣይ ይምዝገቡ ዘይኮኑ ዘለዉ ዝቀደሙ ፖላዊስ
እንታይ ረኺቦም ተላሊሎም ኣትዮም ሓለዊቲ ሓፍቲ ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓትን ጨፍጨፍቲ ህዝብን ኮይኖም ንዕዘብ ኣለና’ምበር ብምባል።
ነቲ ዝወፀ ምልክታ ብትሪ ይቓወምዎ ከም ዘለዉ ካብ ዝተፈላለየ ካባቢታት ትግራይ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣
እዚ
ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካብ ክልል ትግራይ ፖሊስን ካብ ምክልኻል ሰራዊትን ዝተለኣኹ መልመልቲ ብዘይ ፍረ ምስ ተመለሱ። ንምንታይ
እዩ መንእሰይ ነዚ ናይ ፖሊስ ምልመላ ዘይተቀበሎን ፈንፊንዎ ዘሎን ክብሉ ታሕተዎት ኣባላት ፖሊስ ንኣዘዝቶም ይሓትዎም ከም
ዘለዉ ተፈሊጡ፣
እዚ ሕዚ
ኣብ ትሕቲ ውልቀ መላኺ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ዝርከብ ፖሊስ ሰራዊት። ንህዝቢ ጠጠው ዝበለ ዘይኮነስ ሕገ መንግስቲ ካብ
ዝፍቅደሉ ወፃኢ ንህላወ ሓደ ዉድብ ጠጠዉ ዝበለ። ካብኡ ሓሊፎም’ዉን ናይ ላዕለዎት መራሕትን ሓለፍቶምን ሃፍትን ንብረትን
ዝሕልዉን ንህዝቢ ዘጋፍዑን ብምዃኖም። መንእሰያት ናብ ፖሊስ ነዘይምእታዉ ወሲዶም ዘለዉ ስጉምቲ። ተቐባልነት ዘለዎ እዩ ክብሉ
ሓደ ሓደ ዜጋታት ይዛረቡ ከም ዘለዉ ካብቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣