Saturday, February 16, 2013

መንግስቲ ወያነ ኢሕዴግ ልዕልና ሕጊ ዝበሃል መሊኡ ስለ ዘጥፈኦ ዜጋታት ኣብ ሕገ መንግስቲ እምነት ከም ዘይብሎም ተገሊፁ፣



እቲ ኣብ ድህረ ገፅ ኢትዮ-ዛሬ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ። ዝኾነ ክሱስ ዜጋ  ቅድሚ ቤት ፍርዲ ጥፍኣተኛ ዝብል ወሳነ ምሃቡ ነፃ ኮይኑ ናይ ምንቕስቓስ መሰል ከም ዘለዎ ኣብ ሕጊ ብንፁር ተቐሚጡ ዝርከብ ኮይኑ። ኣብዚ ቅንያት ብተሌቭዥን ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ንዝርከቡ ዜጋታት ብዘይዝኾነ ሕጋዊ ኣፍልጦ ነቲ ስርዓት ብዝጥዕሞ ኣግባብ ዘይኮነ ሓሳባት ክዛረቡ ብምግዳድ ብተደጋጋሚ ዘመሓላለፎ ዶክሜንታሪ ፊልም ኣዝዩ ዘሕፍር ከም ዝኾነ  ድሕሪ ምግላፅ። ነቲ ጉዳይ ብሕጋዊ መንገዲ ሕዝዎ ዝርከብ ቤት ፍርዲ እቲ ተቐናቢሩ ዝቐርበ ፊልም መሰል ዜጋታት ስለ ዝጥሕስ ንኸይፍኖ ኣቐዲሙ ንዝሃቦ ዉሳነ ሙሉእ ብሙሉእ በቲ ስርዓት ተጣሒሱ ስለ ዘይተተግበር ዜጋታት ኣብ ሕጊ ዘለዎም እምነት ጠቕሊሉ ክቕህም ከም ዝገበሮ ኣፍሊጡ፣
  እቲ ዝወፀ ሓበሬታ ወሲኹ። ዝኾነ ሰብ ብዘይ ናይ ባዕሉ  ፍቓድ  ኣገዲድካ ንባዕሉ ተመሊሱ ዝጎድእ ሓበሬታ ክህብ ምግዳድን ብቕንዱ ድማ ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ እናቕረብካ ክብሩ ዝገፍፍ ሓሳባት ክዛረብ ምግባር ልሙድ ተግባራት ካድረታት ወያነ እናኾነ ይመፅእ ብምህላዉ። እዚ ድማ ሕገ-መንግስታዊ መሰል ዜጋታት ካብ ፅሑፍ ዝሓልፍ ከም ዘይኮነ ገሊፁ፣
 ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ኣብ መንጎ ዝተፈላልዩ ተኸተልቲ ሃይማኖት ጣልቃ ብምእታው ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ሓሶት ድራማ እናዳለወ ንህዝብታት እናደናገረ ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ምግጫዉ መስርሕ። ዜጋታት ሃገርና ሓድነቶም ተዘሪጉ ሓደጋ ኣፀላልይዎም ሰለ ዘሎ። በቲ ዝመፅእ ሳዕቤን ሰበ-ስልጣን ወያነ ቀዳሞት ተሓትቲ ምዃኖም ኣገንዚቡ፣