Saturday, February 16, 2013

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበበ ልዕሊ 30 ሽሕ ትሑት መነባብሮ ዘለዎም ዜጋታት መሬቶም ብመራሕቲ ወያነ ስለ ዝተወረሰ ብዘይ መፅለሊ ከም ዝተረፉ ተሓቢሩ፣



ብኣምባጋነን ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከባቢታት ቦሌን ንፋስ ስልክን ጥራሕ ልዕሊ 7 ሽሕ ነበርቲ ካብ መንበሪ ገዝኦም ብዘይ ሓደ ካሕሳን መፅለልን ከም ዝጓሓፎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ መሳጊድን ኣብያተ ትምህርትን ድማ ከም ዘዕነዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ፣
   ካብቶም ግዳያት ሓደ ዝኾኑ ኣይተ ሃይሉ ዝተባሃሉ ወገን ንሚድያታት ከም ዝገለፅዎ። ምስ ሰበይቶምን ሓሙሽተ ደቆምን ኣብቲ ከባቢ ክነብሩሉ ዝፀንሐ  ቦታ ይኹን ገዛ ካብ ወለዶም ብሕጋዊ ውርሻ ዝተቀበልዎን ልዕሊ 20 ሽሕ ብር ወፃኢ ብምግባር ከም ዘሕደሐስዎ ድሕሪ ምግላፅ። ኣብዚ ሕዚ እዋን መንበሪ ገዝኦም ብትእዛዝ መራሕቲ ወያነ ብዶዘር ፈሪሱ ብሓይሊ ፀጥታ ተባሪሮም ምስ ስድረኦም ብዘይ መዕቆቢ ኣብ በረኻ ተደርብዮም ከም ዝተረፉ ኣረዲኦም፣
    ኣብ መወዳእታ እቶም ወላዲ። መነንባብሮ ስድረኦም  እንስሳ ብምርባሕ የመሓድሩ ከም ዝነበሩን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ጎረባብቶም ተመሳሳሊ መነባብሮ ዝነበሮም ‘ዉን ነቶም ፀጥታ ሓይሊ “ገዛና ዓይኒና እናረአየ ኣይፈርስን” ብምባሎም ብኣፈሙዝ እናተፈራርሑን ብበትሪ እናተቐጥቀጡን ናብ ቤት ማእሰርቲ ተወሲዶም ተዳጊኖም ከም ዘለዉ ንሕማቕ ተግባር  እቲ ስርዓት ብምረት ገሊፆም፣