ኣብ
ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ስራሕ ተዋፊሮም ዝዋዓሉ ሰራሕተኛታት ፍብሪካ ቢራ ሃረር። ንምሸቱ ብኣካያዲ ስራሕ እቲ ፋብሪካ “ኣረጊት
መኪናን ኣረጊት ሰራሕታኛን ኣይንደልን” ብዝብል ኣሽካዕላል ዝተመልኦ ዘረባ። ንሓለዋ እቲ ፋብሪካን ውሽጣዊ ሰራሓተኛታትን ከም
ዘባረርዎም እቶም ግዳያት ብልሳኖም ንሬድዮ ዶቸቬለ ሓቢሮም፣
እቶም ኣብ ሓለዋ ናይቲ ፋብሪካ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝሰርሑ
ሰራሕተኛታት እንተብርሁ። ብመጀመርያ ዝሕልዉሉ ብረት ኣረክቡ ከም ዝተባሃሉን ንፅባሒቱ ድማ ንኹሎም ብምእካብ ብኣካያዲ ስራሕ
እቲ ትካል ዝተባረሩ ምዃኖም ከም ዝተረድኡ ኣብሪሆም፣
ካብቶም ግዳያት ሓደ ዝኾኑ ኣቶ ኣበበ መዘምር ኣብ’ቲ ፋብሪካ ንልዕሊ
19 ዓመታት ዘገልገሉ እንትኾኑ። ዳግማይ ትንሳኤ ንምብዓል ኣብ ዝቀራረብሉ ዝነበሩ እዋን ንዝተነግሮም መርድእ ምብራር ክኣምኑ
ከም ዘይካኣሉን ነታ ባዓል ብሓዘን ከም ዘሕለፍዋን ምስ ኣረድኡ። ኩሉ ሰራሕተኛ በቲ ኣሽካዕላል ኢትዮጵያውነትን ሰብኣዊ መሰልን
ዝገፍፍ ኣበሃህላ ከም ዝተቖጥዑ ገሊፆም፣
ኣረጊት መኪናን ኣረጊት ሰራሕተኛን ኣይንደልን ዝብል ሰብኣዊ መሰል
ሰራሕተኛ ዝዳፋእ ዘረባ ብምቅዋም ኩሉ ሰራሕተኛ ተቓውምኡ ኣብ ምግላፅ ከም ዘሎን። ነዚ ሰብኣዊ መሰሉ ንኽኽበር ዝሓተተ
ሰራሕተኛ ብኣድማ በታኒ ፌዴራል ፖሊስ ካብ’ቲ ከባቢ ዝተባረሩ እንትኾኑ። እቶም ሰራሕተኛታት ብወገኖም ነቲ ዝተዋሃቦም
ዘይሓላፍነታዊ ምላሽ ንህዝቢ ከየስምዑ ካብ ምቅዋም ድሕር ከም ዘይብሉ ኣቦ ወንበር ሰራሕተኛታት ሃረር ቢራ ኣቶ ቶሾመ ላባ
ኣብሪሁ፣
እዞም ብኣድማ
በታኒ ፖሊስ ካብ’ቲ ቀፅሪ ውፁ ዝተባሃሉ ሰራሕተኛታት ካብ’ቲ ትካል ወፅዮም ኣብ በረኻ እንተደቀሱ’ውን። ለይቲ ደድርሒኦም
እናተኸተሉ ካብ’ዚ ራሓቑ ከም ዝበልዎምን። ንዝተዋሃቦም ካብ ሕዚ ንዳሓር ብዘይምንም ነገር ካብ’ቲ ትካል ተባሪርኩም ኢኹም
ዝብል መልሲ ንኹሉ ሰራሓተኛ ኣቖጢዕዎ ከም ዘሎን ኣረዲኦም፣