እቶም
ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ
ነበርቲ ጣብያታት ደደቢትን ዓዲ ማሓመዳይን ከም
ዝበልዎ። መብራህትን ማይን ከምኡ’ውን ፍትሒ ብኣግባቡ እንረኽበሉ ባይታ ሲኢንና ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቓና ንርከብ ድሕሪ ምባል።
ኣካላት መንግስቲ ንሕቶና ኣብ ክንዲ ቅኑዕ ምላሽ ምሃብ ከፈራርሑና ይፍትኑ ኣለው ክብሉ ብምረት ገሊፆም።
ኣስዒቦም እቶም ወገናት ኣብ ታሕቲ ዘለው ኣካላት መንግስቲ ብህዝቢ
ዝተመረፁ ስለ ዘይኮኑ ብተደጋጋሚ ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ኣለዎም ኢልና ንዘለዎም ፀገማት እኳ እንተገምገምና። ብዝሰረቕዎ ገንዘብ
ህዝብን ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ብዘለዎም ርክብን ቤተሰቦምን ብምትእምማን። ንዝገምገመ ኣካል በደላት ከብፅሕሉ ምርኣይ
ዕለታዊ ስርሖም ኮይኑ ከም ዘሎ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ካብ’ዚ ሓሊፉ ድማ ነዚ ጥርዓን ህዝቢ ከስምዑ ተባሂሎም ናብ ምምሕዳር
ዞባ ሰሜን ምዕራብ ዝተላኣኹ ወከልቲ። ‘ክሳብ መልሲ ዝዋሃበኩም ዋላ ሓንቲ ዘረባ ኣብ ህዝቢ ከይተልዕሉ’ ዝብል ምፍርራሕ
ዝተመልኦ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ናብ በቶኦም ከም ዝተመለሱ ካብ’ቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣፣