Friday, May 10, 2013

ነበርቲ ወረዳ ኣንካሻ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝኾኑ ንፁሃት ዜጋታት ንመንግስቲ ኢህወዴግ ኣይትድግፉን ብዝብል ምኽኒት እናተኣሰሩ ምዃኖም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ወረዳ ኣንካሻ ደገፍቲ ኣብ ስልጣን ናይ ዝርከብ መንግስቲ ብዘይምዃኖም ጥራይ ፀረ ልምዓትን ተሓባበርቲ ኣሸብርቲ ኢኹም ብዝብል ጥርጣረ ብፖሊስ እናተሃደኑ መዓልታዊ ይእሰሩ ዘለዉ ኮይኖም፤ ዘኽስስ ገበን ስለ ዘይብሎም ብዘይ ቤት ፍርዲ ኣፍልጦ መእሰሪ ፖሊስ ጣብያ እናቐያየሩ የሳቕይዎም ከም ዘለዉ ገሊፁ።
ካብቶም ሕጋዉነት ብዘይብሉ ምኽንያት ተኣሲሮም ዝሳቐዩ ዘለዉ ወገናት  ንምጥቃስ።-
           1. ኣቶ ኣይኑ
           2. ኣቶ ጥሩነህ   
           3. ኣቶ ኣይቸው ዝተባሃሉ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ንፁሃት ዜጋታት ሕነ ምፍዳይ ዝዓይነቱ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ልዕልኦም ይፍፀም ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

እዞም ንምእሳር ክጥዕሞም ዝተፈላለየ ኣስማት ገበን ብካድረታት ስርዓት ወያነ ዝዋሃቦም ዘሎ ንፁሃት ዜጋታት ምስ ገበን ዝተኣሳሰር ምንቅስቓስ ዘይብሎም እናሃለዉ ደገፍቲ እቲ ስርዓት ብዘይ ምዃኖም ጥራይ ዝወርዶም ዘሎ ኣሰቃቒ ግፍዒ ነቲ ተግባር ዝፈልጡ ፖለቲከኛታትን ምሁራት ሕጊን ኣጥቢቕዕም ይኹንንዎ ከም ዘለዉ ካብቲ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።