ኣብ
ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ወረዳ ጉማ ንኡስ ወረዳ ማንጉሽ ይህነፅ ኣሎ ዝበሃል ‘ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ’። ኣብተን ብሰበልጣን
ኢህወዴግ ብኣፍ ጥራይ ዘዚበልዎ ዝደግማ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ወያነ ዝርከባ ሽማዊ ሚድያታት ሬድዮን ቴሌቭዥንን ኢትዮጵያ፣
በብእዋኑ ዝናፈስ ወረ ኩሉ ሓሶትን ኣብ ባይታ ዘየለን ንምድንጋር ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ ከም ዝኾነ ካብ’ቲ ቦታ ዝተረኸበ ሓበሬታ
ኣረዲኡ።
እቶም ኣብቲ ቦታ ስራሕ ተዋፊሮ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኣብ ሓበሬትኦም፣
እቲ ፕሮጀክት ተጀሚሩ ካብ ምባል ሓሊፍካ ከምቲ መራሕቲን ሚድያታትን እቲ ስርዓትን ዝገልፅዎ ኣይኮነን ምስ በሉ። ብተወሳኺ ድማ
ኣብ ዉሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ክዛዘም እዩ እናተባሃለ ወግሐ ፀብሐ ዝምደረሉ ዘሎ ግድብ። በቲ ዝተታሓዘሉ ግዜ ሰሌዳ ክወዳእ ከም
ዘይኽእልን፤ ንመሳርሒ ፖለቲካ ክጥቀምሉ እንተዘይ ኮይኖም እቲ ስራሕ ተፈፂሙ ህዝቢ ክርባሕ እንተዝሕልኑ መጀምርያ ነቲ ኣብ
ስራሕቲ እቲ ግድብ ተዋፊሩ መሃይኡ ዝኸፍሎ ስኢኑ ኣብ ምምራር ዝርከብ ሰራሕተኛ ግቡእ ምላሽ ክህብዎ ምተገበአ ክብሉ
ኣገንዚቦም።
በዚ’ውን
ኩሉ እቲ ብጉልበቱን ሞይኡን ዝሰርሕ ሰራሕተኛ ብሕጉስ መንፈስ ክሰርሕ ከም ዘይርአን፤ በፃሕቲ እንትመፁ ጥራይ ንይምሰል ከም
ዝንቀሳቐስን ኣብ ዝተሰላቸወ መንፈስ ከም ዝርከቡን ተፈሊጡ።
ብተወሳኺ
ባዓል ፋሲካ ምኽንያት ብምግባር ካብ 23 ሚያዝያ 2005 ዓ/ም ጀሚሮም ናብ ቤተሰቦም ዝኸዱ ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛ ክምለሱ
ብዘይምኽኣሎም፣ ብሎሚ ፅባሕ ክመፁ እዮም እናተበሃለ ክሳብ
ሎሚ መብዛሕትኡ ስራሕቲ ግድብ ህዳሰ ጠጠው ኢሉ ከም ዝርከብ ካብቲ ዝበፀሓና ዝርዝር ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።