Thursday, May 23, 2013

ኣብ ከተማ ጎንደር ዝተወደበ መርበብ ዘለዎ ስርቂ ተሰፋሕፊሑ ከም ዘሎን፣ ኣብቲ ዝተወደበ መርበብ ስርቂ ዝተሓቖፉ ኣባላት ፖሊስ ከም ዘለዉን ካብታ ከተማ ዝበፀሓና ሓበሬታ ሊገፁ።



ኣብ’ታ ጥንታዊትን ታሪኻዊትን ዝኾነት  ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዕቤታ ካልአይቲ ምዃና ዝንገረላ ከተማ ጎንደር፣ ስርዓት ወያነ ብዝኽተሎ ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ፣ ስርዓት ፀጥታ ዝበሃል ጠፊኡ ብምህላዉ ነባሪ ህዝቢ ኣብ መንበሪኡ ይኹን ካብን ናብን ኣብ ዝገብሮ ምንቅስቓስ፣ ዉሕስነት ስኢኑ ኣብ ስግኣት ወዲቑ ከም ዝርከብ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ ከም ዉፅኢቱ ከዓ ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም ዝተወደቡ ሰረቕቲ ብ9 ጉንበት 2005 ዓ.ም ተሓባቢሮም፣ ናይ በዓል ሃፍቲ ኣይተ እንዳርጌ ድንኳን ኣትዮም ልዕሊ 20 ሽሕ ዝግመት ንብረትን ጥረ ገንዘብን ከም ዝሰርቑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
  እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፣ ኣብ ወረ መተማ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ጉምሩክ ብ10 ጉንበት 2005 ዓ.ም ኣይተ ታፈሰ ኣለባቸዉ ዝተበሃለ ሓረስታይ መሳርሒ ሕርሽኡ ብመኪና ፅዒኑ ናብ  ናይ ሕርሻ መሬቱ ይጓዕዝ ኣብ ዝነብረሉ እዋን፣ ነቲ ፅዒንዎ ዝነበረ መሳርሒ ሕርሻን ካልኦት ንብረትን መንጢሎም ወሲዶም ኣብ ዉልቃዊ ረብሕኦም ከም ዘዉዓልዎን፣ ዝተመንዘዐ ንብረቱ ክምለሰሉ ናብ ከተማ ጎንደር ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ጉምሩክ ከይዱ ኣብ ዝኸሰስሉ ድማ፣ ብዛዕብኡ ዝተተሓዘ ንብረት ከም ዘይፈልጡን ክምለሰሉ ዝኽእል ኣጋጣሚ የለን ክብሉ ከም ዘሰናበትዎን፣ እቲ ንግዳይ መሰረት ብምግባር ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣገንዚቡ።