Thursday, May 23, 2013

ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝኾነት ከተማ ባህርዳር ቅትለት ሰብ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተባራኸተ ይኸይድ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።


መዓልታዊ ብርክት ዝበለ ካብን ናብን ዝንቀሳቐስ ገያሻይ መተኣናገዲት ዝኾነት ከተማ ባህርዳር፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢኣ ብዘለዋ ባህርያዊ ዝዓደላ ፀጋ ተበሃጊት ብምዃና፤ ካብ ዉሽጥን ወፃኢን ዝመፁ በፃሕቲ ናብ ዉሽጣ ክዉሕዙ ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ዝፀንሐ እንትኾን፤ ካብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ናብዚ ኣብ ዘሎ እዋን ግና መንነቶም ብዘይተፈለጡ ሰባት፤ ኣብ መንበርኦምን ጎደናታትን ዝቕተሉ ወገናት እናተበራኸቱ ይኸይዱ ብምህላዎም እታ ከተማ ንሂወት ሰብ ኣስጋኢት ኮይና ከም ትርከብ ካብቲ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።
ኣስዒቡ እቲ ንተዓዘብቲ መሰረት ብምግባር ዝበፀሓና ሓበሬታ፤ ብዕለት 11 ጉንበት 2005 ዓ.ም ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝርከብ ካብን ናብን ዝኸዳን ዝኣትዋን ገያሾ ዘጓዓዕዛ ኣውቶብስ ዝዓርፋሉ ኣብ ዘሎ ህዝባዊ መናሃርያ ከባቢ ባሪ ኣይተ በሪሁን ዝተባሃለ ዜጋ፣ ብለይቲ ተሓሪዱ ሞይቱ ከም ዝተረኸበን፤ መን ከም ዝቐተሎ ክሳብ ሕዚ ክፍለጥ ከም ዘይተኸኣለን ገሊፁ።
እዚ ዝኸዉን ዘሎ ድሕሪ እቲ ሓደ ኣባል ፌዴራል ፖሊስ ስርዓት ወያነ ብ4 ጉንበት 2005 ዓ.ም ሰዓት 3፣00 ምሸት ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ኣብ ኣብያተ መንበርን ጎደናታታን ከተማ ባህርዳር እናዞረ፣ ብሩምታ ጠያይት እናተኮሰ ሓደ ህፃንን ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም 14 ሰባት ብዘስካሕክሕ ግፍዒ ቀቲሉ ክልተ ሰባት ድማ ኣቑሲሉ ኣብ ሩባ ኣባይ ሞይቱ ምርካቡ እዩ ዝኸዉን ዘሎ።
   
ብተመሳሳሊ ኣብ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ታሕታይ ኣርማጭሆ ፉሉይ ቦታ ኣብርሃ ጂራ ብዕለት 5 ጉንበት 2005 ዓ.ም 8 ሰላማዉያን ሰባት ብኻራ ዝተወግኡ እንትኾኑ። ካብ’ቶም 8 እቶም 4 ሽዑ ንሽዑ እንትሞቱ። እቶም 4 ድማ ብኸቢድ ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ጎንደር  ሕክምናዊ ሓገዝ እናተገብረሎም ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ፣

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝረአ ዘሎ ፀገም ፀጥታ ህዝቢ ኣተሓሳስብዎ ከም ዝርከብን። እቲ ዝኸፈአ ድማ ካብ’ቲ ዝፍፀም ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ኣነዋርን መሕዘንን ገባናት። ካብ ፈፀምቱ ክሳብ ሕዚ ብኣካል ተታሒዙ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዝተሓተተ ብዘይምህላዉ ነቲ ኩነታት ኣጋዲድዎ ከም ዝርከብ ኣገንዚቡ፣