እቲ ሪፖርት ኣብ ዝርዝር መገለፅኡ ዜጋታት
ሰለማዊ ተቓውሞ ከየካይዱ ምኽልካል፤ ብዘይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ዜጋታት ምእሳር፤ ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ብዓለም ደረጃ
ዝተኸልከሉ ናይ ቶርቸር ስቓይ ምፍፃምን፤ ዜጋታት ካብ ሕጊ ወፃኢ ካብ መንበሪ ገዝኦም ምፍንቓልን ካልኦት ግፍዕታትን ብዝሓየለ
መልክዑ ይቕፅል ምህላው ገሊፁ።
ብመሰረት ንሰብኣዊ መሰል ዝማጎትን ብዓለም
ደረጃ ኣፍልጦ ዘለዎን ትካል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝዘርግሖ ሪፖርት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዜጋታት ሓሳቦም ብነፃ ከይገልፁ
መሰሎም ምዕፋን፤ ብነፃነት ሚድያ ምጥቃምን ምንቅስቓስ ናይ ፖለቲካ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ምኽልካል ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ
ኣፈሊጡ።
ኣብ መወዳታ እቲ ሓበሬታ ከም ዝገለፆ፣ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ንመንግስቲ ስለ
ዝነቐፉን ለወጢ ፖሊሲ ንኽግበር ብምሕታቶምን ኣሸበርቲ ተባሂሎም ኣብ ውሽጢ ቤት ማኣሰርቲ ተዳጒኖም ብበትሪ ይቕጥቀጡ፤ ኣእዳዎም
ኣብ መሮ ተኣሲሩ ተንጠልጢሎም ይሳቐዩ፤ ብኤሌክትሪክ ይቃፀሉ፤ ዝፈልሐ ማይ ኣብ ነብሶም ይፈስስ፤ ኣብ ብልዕቶም ከቢድ ነገር
ምንጥልጣል። ፋሽስታዊ ዝኾነ መግረፍትን ከም ዝወርዶምን ብበዝሒ ስቓይ ሕልናኦም ሲሒቶም ዘይዋዓልዎ ገበን ክዛረቡን ክፍርሙን
ብምግዳድ፤ እሱራት ነነሕድ ሕዶም ክዋቕዑን ካልእን ግፍዕታት ይፍፀሞም ከም ዘሎ። ኣምነስቲ ኢተርናሽናል ንኣኽበርቲ መሰል
ኣፍሪካን ዓለምን ብፀብፃብ መልክዕ ከም ዘቕረቦ ተገሊፁ።