ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ መተማ ብዘይ ሕጋዊ
መንገዲ ናብ ሱዳን ክሰግራ ተወዲበን ዝጓዓዛ ዝነበራ ኢትዮጵያዉያን ተማሃሮ ዓስራይ ክፍሊ ዝኾና ዜጋታትና፤ ካብ ፌዴራል ፖሊስ ብዝተተኮሰን
ኣድራጋ ጠያይቲ ክልተ ሽዑ ንሽዑ እንትሞታ፤ ኣርባዕተ ድማ ብከቢድ ቆሲለን ኣብ ኣተሓሳሳቢ ደረጃ ከም ዝርከባ ካብ’ቲ ቦታ ዝተረኸበ
ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እዘን ብዘስካሕኽሕ እሩምታ ጠያይቲ ግዳይ ሞት ዝኾና ዜጋትት ኣብረሀት
ኣወቀን ታምሩ ቸኮለን ዝተባሃላ እንትኾና፣ እተን ብዝበፀሐን መጥቃዕቲ ጥይት ብፅኑዕ ዝተሃሰያ ኣርባዕተ ድማ ኣብ ሆስፒታል
ታዓቒበን ከም ዝርከባ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ገሊፁ።
ዜጋታትና ብዘለዎም ማሕበራውን ፖለቲካዉን ፀገም ወግሐ ፀብሐ ዝስደዱላ ኮይና
ዘላ ሃገርና፤ ብፍላይ መንእሰይ ሓይሊ ኣብ መንገድን ዕድል ረኺቡ ዝሰገረ ድማ፣ ኣብ’ቲ ዝኸዶ ዓዲ ኣደዳ ሞትን መግረፍትን ይኸውን
ከም ዘሎ ኣብ ዝሓለፉ ዜናታትና እናገለፅና ምፅናሕና ይዝከር።