Friday, May 10, 2013

ኣብ ዞባ ቦሮና ዝነብር ሕብረተ-ሰብ ቤተክርስትያን ብምፍራስ ዝመፅእ ልምዓት ኣይንቕበሎን ብምባል ኣብ ምቃዋም ከም ዝርከብ ተሓቢሩ።



ኣብ ክልል ኦሮሞ ዞባ ቦሮና ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ቅድስቲ ኣርሴማ ቀፅሪ ዉሽጢ ዝርከብ ቦታ መንግስቲ ንልምዓት ሕርሻ ስለ ዝደለዮ እቲ ቤተ ክርስትያን ፈሪሱ ናብ ካልእ ከባቢ ክግዕዝ መንግስቲ ዘዉረዶ ትእዛዝ፤ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ከዓ ክለምዕ ዝኽእል ነፃ መሬት ከይተሰኣነ ብሽም ልምዓት ሃይማኖታዊ ትካል ዝኾነ ቤተ ክርስትያን ክፈርስ ኣይግብኦን ብምባል ተቓዉምኡ ብቑጠዐ ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከብ ካብ’ቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

   ሕብረተስብ ዞባ ቦሮና፣ ብሰንኪ ዘይሓላፍንታዊ ትእዛዝ ናይ’ቲ ዞባ ሓላፊ ኣቶ ኡዳ ገመዳ ተቖጢዑ ኣብ ምቅዋም ከም ዝርከብ እዚ እከይ ተግባር ከኣ ኣብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ንዘመናት ጠጠዉ ኢሎም ዝፀንሑ ሃያማኖታውያን ትካላት ዝኾኑ ኣብያተ ክርስትያን፤ ገዳማትን መሳጊድን ከምኡ እዉን መግለፂ መንነት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ታሪኻውያን ቦታታት ዝኽተሎ ዘሎ ኣዕናዊ ስጉምቲ ኣብ ዉሽጥን ወፃኢን ዝነብሩ ዜጋታት ክገልፁ ዝፀንሑ ኮይኖም እቲ ኣብ ዞባ ቦሮና ዝካየድ ዘሎ እዉን መቐፀልታ ናሃቱ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።