Wednesday, May 22, 2013

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ሜጫ ዝነብሩ ዜጋታት ብሓይሊታት ፀጥታ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ኣስክሕካሒ ብዝኾነ ግፍዒ እናተኣሰሩ ምዃኖም ተገሊፁ።



ከም ኣገላልፃ ፍኖተ ነፃነት ብ18 ሚያዚያ 2005ዓ/ም ኣብ ወረዳ ሜጫ ከተማ መራዊ ካብ መንጎ ዝርከቡ ነበርቲ፣ አንሙትን  መንግስት በቀለን ዝተባሃሉ መናእሰይ ብለይቲ ብዕጡቛት ተዓፊኖም ተወሲዶም ኣበይ ከም ዝኣተው ከም ዘይፍለጥ ተሓቢሩ።
   እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ  ብ3 ግንቦት 2005ዓ/ም ለይቲ ሰዓት 900 መኮነን አድማስ ዝተበሃሉ ሓላፊ ፀጥታን / አሰለፈ ከበደ ዝተበሃላ ናይ’ቲ ወረዳ ኣባል ካቢኔን ብሓባር፣ ኣብ ከተማ መራዊ ነበርቲ ንዝኾና / ሙሉ ሲሳይ ብኽልተ ተሽከርከርቲ ብዝኸዱ ሓይልታት ፀጥታ አሽባሪት ኢኺ፤ ዝሓባእኽዮ ተፈንጃሪ ቦምቢ አምፅእዮ ብዝብል ኣጉል ምኽኒት ከቢድ ደብዳብ እናፈፀሙ ናብ ዘይተፈለጠ ቦታ ከም ዝወሰድወን እታ ጋዜጣ ፀብፂባ።
    ቅድም ኢሉ’ዉን ኣብ ከተማ መራዊ ምስ ግንቦት ሸውዓተ ርክብ ኣለኩም ዝተባሃሉ ክልተ መናእሰይ፣ ብሓይሊታት ፀጥታ ተዓፊኖም ከም ዝተወሰዱን ሓደ ውልቀ ሰብ ድማ ንዓኻትኩም ኢደይ ኣይህብን ብዝብል ብሰንኮም በረኻ ወፂኡ ክሽፍት ከም ዝተገደደ እታ ጋዜጣ ኣብቲ ዘዉፅኣቶ ፀብፃብ ሓቢራ።