Monday, June 17, 2013

10ይ ክፍሊ ዝወድኡ ተምሃሮ ውፅኢቶም ከይፈለጡ ናብ ውትህድርና ክምልመሉ ይግበር ከም ዘሎ ተገሊፁ።



ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝርከቡ 10 ክፍሊ ዝወድኡ ተምሃሮ፤ ገና ናይ ማትሪክ ውፅኢቶም ከይፈለጡ ዝተፋላለዩ መታለሊ ሓሳባት ብምንዛሕ፤ እቶም ተማሃሮ መፃኢ ናይ ትምህርቲ ዕድሎም ከይኣነፀሩ ብፕሮፖጋንዳ ስርዓት ወያነ ተደናጊሮም ናብ ውትህድርና ክኣትዉ ይግበር ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
   ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ማእከል ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ኣብታ ዞባ ንዝነብር ህዝቢ ኣኪቦም ምልሻ  ንኽዓጥቕ ኣብ ዘካይድዎ ዘልዉ ወፍሪ፣ ብሓይሊ ብረት እናሃቡ ኣብቲ ኣኼባ ንሰማይ ጥይት ተኩስ እናበሉ  ከምዘተኮሶም  ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣  ነቲ ክትኩስ ዝገብረዎ ሰብ  ከዓ ሽዑ ንሽዑ ካብ ሕዚ ንደሓር ኣባል ሚልሻ ክትከዉን ወሲንካ ኢኻ እናበሉ የገድድዎ ከም ዘለዉ ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ የመልክት።
     እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ እቶም ብግዴታ ተኩሱ ተባሂሎም ዝተኮሱ  እንተኣብዮም  ብሕጊ ተኸሲሶም ግዳዮም ብማሕበራዊ ቤት ፍርዲ   ከም ዝረአ  ተገሊፁ።