ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ከተማ ሽረ ቀበሌ 01 ዝርከብ 68 መንበሪ
ኣባይቲ ብ7 ሰነ 2005 ዓ/ም ብትእዛዝ ሰበ ስልጣን ወያነ ብዘይ ዝኾነ ካሕሳን ተለዋጢ መሬትን ገዝኦም ዝፈረሰ ዜጋታት፣
ምስቲ እዋን ክረምቲ ምዃኑ ብዝናብን ንፋስን ንኸቢድ ፀገም
ተቓልዖም ኣብ ፀገም ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።
እቶም
ግዳያት ወገናት ሓረሳት፤ ነብሰ-ፁራትን፤ ከምኡዉን ሽማግለታትን ህፃውናትን ዝርከብዎም መነበሪ ገዝኦም ዝፈረሶም ነበርቲ ከተማ
ሽረ፤ ብዘይ መፅለሊ ኣብ ጎደና ተደርብዮም ብዝበፅሖም ዘሎ ስቓይን መከራን ንዝተፈላለዩ ሕማማት ይቃለዑ ስለ ዘለዉ፣ ዝምልከቶም ኣካላት ቆላሕታ ክግበሮሎም ንዘቕረብዎ ሕቶ ስማዒ ከም
ዘይረኸቡ ካብታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ከም ዝፍለጥ ኣብዚ ወርሒ እዙይ ጥራሕ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ብሰንኪ ምፍራስ
ገዛውቶም፤ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ስድራ ምስ ዕያሎም ብዘይ መፅለሊ ተሪፎም
ኣብ ሕማቕ ኩነታት ምህላዎም ክንገልፅ ምፅናሕና ይዝከር።