Thursday, June 20, 2013

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዛዕባ ዘመናዊ ሕርሻን ውፅኢቱን ዝምልከት ዝተካየደ ኮንፈርንስ ብህዝቢ እቲ ከባቢ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ ተሓቢሩ።



እቲ ካብ ኣፍ ሓሊፉ ኣብ ተግባር ዘይውዕል  ልሙድ  መደረ ሰበስልጣን ወያነ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ዘምፀኦ ለውጢ የለን  ክብሉ ዝገለፁ ተሳተፍቲ ናይቲ ኮንፈረስ፤ ቀፂሎም ምትእትታው ዘመናዊ ሕርሻ ኣብ ተግባር ክውዕል  እንድሕር ኮይኑ ቅድሚ መዳበርያ ይኹን ምሩፅ ዘርኢ ብግዴታ ሸምቱ ቅድሚ ምባልኩም ሓመድ ናይቲ ሕርሻ ብክኢላታት ጉቡእ ፅንዓት ክገበረሉ ይግባእ እንተዘይኮይኑ ውፅኢት ዘለዎ ምህርቲ ክንረኽበሉ ኣይከኣልናን ክብሉ ነቲ ዝዋሃብ ዝነበረ ሓሳብ ከም ዝተቓወምዎ ተፈሊጡ።

    ወሲኾም እቶም ሓረስቶት ብትራክተር ተጠቐሙ ዝብል ሓሳብ  ኣይምፀላእናን ክብሉ ድሕሪ ምግላፅ፣ እንተኾነ ኣይኮነን ንመግዚኢ ትራክተር  ንመግዝኢ ብዕራይ ዝኸውን ገንዘብ የብልናን። እቲ ንሓደ ፀማድ ሕርሻ መሬት ሓደ ኩንታል መዳበርያ ተጠቐሙ እትብሉና ዘለኹም እንተኾነ’ውን፤ ንኽንገዝእ ዓቕሚ ኣብ ርእሲ ምስኣና ተልቒሕና ዋላኳ እንተተጠቐምና፤ ኣብ ዘይተፀንዐ መሬት  ስለ እነፍስሶን ነቲ ዘራእቲ ስለዘሕርሮን ዘሎ ንኽሳራን ድኽነትን ተቓሊዕና ብምባል ነቲ ምትእትታው ስርዓት ዘመናዊ ኣጠቓቕማ ሕርሻ ዝብል ኣፋዊ ጥራይ ካብ ምዃኑ ብዝሰገረ ዋግኡ ምስ ዓቕምናን ትሕዝቶናን ዘይሳነ’ዩ ክብሉ ከም ዝተቓወምዎ እቲ ዝተረኸበ  ሓበሬታ ኣመልኪቱ።