Thursday, June 20, 2013

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝርከቡ ብጡረታን ብቦርድን ዝተሳናበቱ ሰራዊት ነበር ገንዘብ ንግድብ ኣባይ ክኸፍሉ ንዝቐረበሎም መፀዋዕታ ከም ዘይተቐበልዎ ካብታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ ገሊፁ።



እዞም ብጥሮታን ብቦርድን ዝተሰናበቱ ኣባላት ሰራዊት ነበር  ብኣማሓደርቲ እታ ከተማ ኣብ ዝተገበረሎም ኣኼባ፣ ንመገደቢ ኣባይ ዝውዕል ገንዘብ ክዋፅኡን ከምኡ’ውን ግብፂን ካልኦት ፀላእትናን ሻዕብያን ተሓባበርቶም ክወሩና ይዳለዉ ሰለ ዘለዉ እጃምኩም ክትገብሩ ድልውነት ግበሩ ንዝብል ሓሳብ እቶም ሰራዊት ነበር ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፣- ገንዘብ ክነዋፅእ ኣይንኽእልን እተን ዝኽፈላና ጡረታ ንመነባብሮና ኣይኣኸላናና ክብሉ ከም ዝተቓወምዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

    እቶም ተኣከብቲ ወሲኾም ንሓንቲ መዓልቲውን ትኹን እንታይ ፀገም ኣለኩም ኢልኩምና ዘይትፈልጡ፣ ሎሚ እተውርድዎ ዘለኹም መደብን  እቲ ምስ ሃገራት ዘሎ ወጠጥን ንዓና ኣይምልከተን ኢሎም ምስ መለስሎም፤ ንነባራይ ከተማ ሽረ እንተኾነ’ዉን  ኣኪቦም  ግብፂ ክትውግኣና ትዳሎ ሰለ ዘላ  ተዳልዉ ንዝብል መመርሒ ሰበ ስልጣን ወያነ ነበርቲ ምላሽ ከይሃበሉ እቲ ኣኼባ ከም ዝተበተነ እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ።