ኣብዚ ዓመት ልዕሊ ማንም እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ተቓወምቲ ዉድባት ኣብ ዉሽጢ ምክልኻል ሰራዊት
ኣትዮም ርክባት ይገብሩ ኣለዉ ዝብል ብሰፊሑ ክግምገም ይረአ ኣሎ ዝበለ እቲ ሓበሬታ፣ ብፍላይ ከዓ ኣብዚ ቅንያት ካብቲ ኣባል
ወተሃደር ሓሊፉ ናብ መኰንናት ዘተኮረ ገምጋም ብምዃኑ፤ ንኹሉ ዝግበር ስራሕቲ ኣፈላላይን ዘይምትእምማን ብምፍጣሩ ነቲ ገምጋም
ተኸቲሉ እዉን ተጨዉዮም ዝተወሰዱ መኰንናት ከም ዘለዉን ኣረዲኡ።
ኣስዒቡ እቲ ካብ ዉሽጢ ሰራዊት ሊሕኹ
ዝበፀሓና ሓበሬታ፣ ኣብ ማእኸላይ እዚ መበል 31 ክፍለ ሰራዊት 1ይ ሬጅመንት ኣብ ስታፍ ዝሰርሕ
ዝነበረ ሓለቓ ሚኢቲ ኣዲሱ ሳርሶ ዝተበሃለ ተወላዲ ብሄር ኦሮሞ፤
ምስ ተቓወምቲ ዉድባት ርክብ ኣለካ ብዝብል ምኽንያት ብተደጋጋሚ ኣብዚ ዓመት ክግምግምዎ ድሕሪ ምፅናሕ፣ ነቲ ከልዕልዎ ዝፀንሑ
ገምጋም መርትዖ ስለ ዘይረኸብሉ፤ ኣብ’ዚ ሰሙን ካብ ኣዲስ ኣበባ
ብዝመፁ ኣባላት ድህንነት እቲ ስርዓት ብለይቲ ተዓፊኑ
ከም ዝተወሰድን ክሳብ ሕዚ ሃለዋቱ ከም ዘይተፈለጠን እቲ ዝበፀሐና ሓበሬታ የምልክት።