Friday, June 14, 2013

ኣብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ንዝኽተሎ ዘሎ መዝማዚ ኣካይዳ ክፃወርዎ ዘይከኣሉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ብምልዓሎም መንግስቲ ኣብ ልዕልኦም ስጉምቲ ወሲዱ።



ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ፅሕፈት ስርዓት ወያነ ተቖፅሮም ንዓመታት ክሰርሑ ዝፀንሑ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት ዝተረኸብሉ ኣኼባ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ኮይኑ፣ ኣብቲ ኣጋጣሚ ብምልኦም ተሳተፍቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዘለዎም ስምዒታት ብምረት ኣብ ዝገለፅሉ፤ ወርሓዊ መሃያ እኹል ኣብ ርእሲ ዘይምዃኑ ምኽንያቶም ብዘይንፈልጦም መዋጮታትን ዓቐኑ ብዝሓለፈ መንግስታዊ ግብሪን ተመናሚኑ ኣብ ኢድና ዝበፅሕ ዳርጋ የለን ክበሃለሉ ኣብ ዝኽእል ኩነታት ኮይና መነባብሮና ንምምራሕ ተፀግምና ክብሉ ንመዝማዚ ኣካይዳ እቲ ስርዓት ተቓዉምኦም ከም ዘስምዑ ተፈሊጡ።

   ንሽሙ ኢና ሰራሕተኛ መንግስቲ እምበር መሃያ የብልናን ዝብሉ እቶም ሰራሐትኛ፣ ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ ኮይኖም ምስቲ ዝረአ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ህይወቶም ንምምራሕ ፈተና ኮይንዎም ኣብ ዝርከብሉ እዋን፣ መንግስቲ መሃያ ናይ ሓደ ዉልቀ ሰብ ባዕሉ ንመዋጮ ክቆርፅ ዝኾነ ሕጊ ዘይፍቅደሉ እናሃለወ ብኢደ ወረድኡ ምቑራፁ ዘምናዊ ወራር እዩ ብምባል ኣብቲ መደረኽ ብግልፂ ብፍሉይ ተቓዉምኦም ዘስምዑ ክልተ መምህራን፣ ንተኣከብቲ ዘለዓዓልኩም ፀረ ልምዓት ኢኹም ብዝብል ፀለመ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ካብ ሰርሖም ክስጎጉ ከም ዝተገብረ ወሲኹ ገሊፁ።