ኣብቲ ክልል ሰሪሖም መነባርኦም ክመርሑ ካብ ዝተፈላለዩ ብሄር ብሄረሰብ ሃገርና ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት
ዝሰፈሩ ዜጋታት ከም ዝርከቡ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ እቲ ተሓባቢርካ ብሓደ ምንባር ዘይተዋሕጠሎም መራሕቲ ወያነ ናብ ዉሽጦም
ዝተፈላለየ ስልኳታት ብምግባር ክበኣሱን መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ደም ምፍሳስ ክኣትዉ ይገብሩ ከም ዘለው ንዉሽጣዊ ፈለጥቲ መሰረት
ብምግባር ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን ብሄር ምስ
ብሄር ዝመበግስኡ ሓያል ግጭታት ይከየድ ብምህላዉ ነባራይ ህዝቢ ኣብ ዓብዪ ስግኣት ወዲቁ መነባብርኡ ንምምራሕ ተፀጊሙ ከምዘሎ፣
ዓቕሚ ዝረኸበ ሰብ መንበርኡ ገዲፉ ኣብ በረኻ ተሓቢኡ ዝውዕልን
ዝሓደርን ዘሎ ቀሊል ከም ዘይበሃል ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
በቲ ዝዉላዕ ዘሎ ባእሲ ካብ ዝተቐተሉ ሓደ ኣይተ ጌታቸዉ ኣንቁሬ ዝተበሃለ ተወላዲ ብሄር ሰብ ሃድያ
ኮይኑ፣ ዝቐተልዎ ሰባት ተፈሊጦም ስለ ዘለዉ ተታሕዞም ብሕጊ
ክፃረየሎም ስድርኡ ኣብ ዝሓተትሉ፤ ፖሊስ እቲ ከባቢ ነቶም ተጠርጠርቲ ሕዝናዮም ኢና ቅሰኑ ብምባል። ብድሕርኦም ካብ እሱር ለቒቖም
ከም ቃሕትኦም ኣብ ደጋ ደገ ክንቀሳቐሱን ንስድራ እቲ መዋቲ ዝኾነ ክሲ ኣብ ልዕልኦም ከይምስርቱ የፈራርሕዎም ከም ዘለዉን እቲ
ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።