Friday, June 14, 2013

ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝርከብ ያለምብርሃን ሆስፒታል ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኣብቲ ዝስራሕ ዘሎ ግድብ ኣብ ዝገብርዎ ምብፃሕ ክንድቲ ክስራሕ ዝግብኦ ኣይሰለጥን ክብሉ ሕቶ ከም ዘልዓሉ ተሓቢሩ።



እቶም ንሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ወኪሎም ዕዶት ንምግባር ዝኸዱ ጉጅለ፣ ኣብቲ ግድብ ብዝርከቡ ዝምልከቶም ኣካላት ንከይዲ እቲ ስራሕ ኣመልኪቶም መብርሂ ንምሃብ ኣኼባ ኣብ ዝተገብረሎም ግዜ፣ ብርክት ዝበለ ሕቶታት ብምልዓል ከም ዘዋጠርዎም ተፈሊጡ።

ዕዶት ንምግባር ዝተወከሉ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ያለምብርሃን ነቶም ዝኣከብዎም ወኪላት መንግስቲ ካብ ዘቕረብሎም ሕቶታት፣- “ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣፉ ገድፉ ዝኹሉ ንመስርሒ ግድብ ኣባይ ገንዘብ እናዋፅኣ ምስኡ ዝመጣጠን ስራሕ ኣይተሰርሐን ዘሎ ገንዘብ ኣበይ ይዉዕል ኣሎ?” ዝብል ምስ ኣለዓሉ፤ በቶም ንመንግስቲ ወኪሎም ዝምልሱ ዝነበሩ ምፍርራሕ ዝተመልኦ መልሲ ከም ዝሃብዎም ካብቲ ቦታ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዱኡ።

ብፍላይ ነቲ ግድብ ንመንግስቲ ወኪሉ ዝመርሖ ዘሎ ኢንጅኔር ስመኘዉ በቀለ። “ንሕና መንግስቲ ብዝሃበና ገንዘብ መሰረት ዓቕምና ንሰርሕ ኣለና፤ ኣብዚ ተዋህቡና ዝባኽን ገንዘብ የለን፤ ብመሰረቱ ፋሺኑ ዝሓለፈ ሕቶ ኢኹም ተቕርቡ ዘለኹም፤ ንስኹም ዕዶት ክትገብሩ ዘይኮንኩም ካልእ ነገር ክተለዓዕሉ ኢኹም መፂኹም” ብምባል ቁጠዐ ዝተመልኦ መልሲ ስለ ዝተወሃቦም ተሸቁሪሮም ናብ ቦትኦም ክምለሱ ከም ዝተገደዱ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ።