Thursday, June 20, 2013

መንግስቲ ኣብ ዞባ ማእከል ትግራይ ንዝርከቡ ተምሃሮ ንመስርሒ ግድብ ኣባይ ገንዘብ ንኸዋፅኡ የዋጥርዎም ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።



እቶም ካብ ታሕተዋይ ብርኪ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ዝኾኑ ተማሃሮ እቲ ዞባ  ብካድረታት እቲ ስርዓት ሕድ ሕድ ተማሃራይ 50 ብር ንመስርሒ ግድብ ኣባይ ዝዉዕል ከዋፅእ የግድድዎ ከምዘለዉን በዚ ድማ  ዓቕሚ የብልናን ካበይ ክነምፅእ እንተበሉ ትኸፍሉ ብዝብል ደረቕ መምርሒ ብምውራዶም ወለዲ ተማሃሮ ኣብ ፀገም ከምዘለዉ ተገሊፁ።

    ኣብያተ ፅሕፈት ትምህርቲ ብመምርሒን ደንብን ሚኒስተር ትምህርቲ ዘይኮና ዝመሓደራ ዘለዋ ብፖለቲካዊ ምንቅስቓስ እቲ ስርዓት እዩ ዝበለ እቲ ሓበሬታ፤ ከም ዉፅኢቱ ከዓ በብዓመቱ ዘምህርዎም ተማሃሮ ፅሬት ብቕዓትን ዝሓለዎ ደረጃ  ሒዞም ስለ ዘይወፁ፤ ኣብ ኮለጃትን ዩንቨርሲቲትን ኣትዮም ዓለማዊ ተወዳደርቲ ንኸይኾኑ ይድርቶም ከም ዘሎ ወሲኹ ኣገንዚቡ።

      ከም ዝፍለጥ ኣብ ዉሽጢ ዝሓለፈ 22 ዓመታት ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ሃገርና ኣዚዩ እናቆልቆለ ብምምፅኡ፤ “ፖሊሲ ስርዓት ትምህርቲ ሃገርና ቀታሊ ወለዶ” እናተበሃለ ብዝተፈላለዩ ግዱሳት ምሁራትን ዓለም ለኸ ትካላትን መረዳእታ ኣሰንዮም ኣብ ምግላፅ ይርከቡ ይፍለጥ።