Sunday, July 14, 2013

ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ መተማ ሸህዲ ኣብ ዝተበሃለ ፍሉይ ቦታ ኣብ መንጎ ፌዴራል ፖሊስን ሰራዊት ምክልኻልን ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ብ28 ሰነን ብ2 ሓምለን 2005 ዓ/ም ናይ ተኹሲ ልዉዉጥ ከምዝገበሩ ተሓቢሩ።



   ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ተኹሲ ልዉዉጥ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሓሰን ከድርን መስፍን ታፈሰን ዝተበሃሉ ክልተ ወተሃደራት ብጥይት ተወቂዖም ሽዑ ንሽዑ ክሞቱ ከለዉ፤ ካብ ፌዴራል ፖሊስ ከኣ እሙት ኣዊ ዝተበሃለ ምስ ሰለስተ ርእሱ ዝሞቱ እንትኾኑ፤ መበገሲ እቲ ናይ ተኹሲ ልዉዉጥ ድማ ብሽም ኮንትሮባንድ ዝተመንዘዐ ሃፍቲ ህዝቢ ኣብ ዉልቃዊ ረብሕኦም ንምዉዓል ዝፈጠሮ ኣፈላላይ ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

   ወረዳ መተማ  ምስ ጎረቤት ሃገረ ሱዳን  ዘራኽብ ኮይኑ ኣብቲ ከባቢ ዝካየደ ካብ ናብን ብተሽከርከርትን ኣጋርን ዝግበር ምንቅስቓሳትን ምልዉዋጥ ንግድን፤ ክቆፃፀሩ ዝግብኦም ሰራሕተኛት ጉምሩክ እኳ እንተኾኑ ስርዓት ወያነ ብተወስኺ  ሰራዊት ምክልኻልን ፌዴራል ፖሊስን ኣብቲ ቦታ ስለ ዝመደቦም፣ ኣብኡ ዝርከቡ ናይ ክልትኦም ወገናት ኣዘዝቲ፤ ብኣቋራጭ ሃፍቲ ንምኽዕባት ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ዘመተ ብንዓይ ንዓይ ይግበኣኒ ኣባላቶም ክቃተሉ ይገበሩ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።