Sunday, July 14, 2013

ሰበ ስልጣን ክልል ኣምሓራ ኣብ ዘይሕጋዊ መሸጣን ዝዉዉርን ኣፅዋር ተዋፊሮም ክነጥፉ ምስ መሻርኽቶም ከም ዝተረኽቡ ተሓቢሩ።



ብመሰረት ዝበፀሓና ሓበሬታ፣ ሓላፊ ፀጥታት ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣድማሱ ይልማ ንስራሕ ተባሂሉ ዝተወሃቦ ብርክት ዝበለ በዝሒ ዘለዎ በብዓይነቱ ከላሽንን ሽጓጉጥን ንዝተመድበሉ መንግስታዊ መዓላ ንጎኒ ገድፉ ዘለዎ ስልጣን ተጠቒሙ ዉልቃዊ ረብሓታቱ ብምቕዳም  ሃፍቲ ንምኽዕባት፣ ምስ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ኣፅዋር ዝተዋፍሩ ተሻሪኹ ዝሸጦ ዓይነት ኣፅዋርን ዝሸጠሎም ዉልቀ ሰባትን ኣብ ከተማ ባህርዳር ብምትሕብባር ነባሪ ህዝቢ ኣብ ቁፅፅር ምስ ወዓሉ እቲ ሸያጢ በዓል ስልጣን ክቃላዕ ከም ዝኸኣለ ተፈሊጡ።


  እቶም ካብ ሓላፊ ፀጥታ ክልል ኣምሓራ ኣድማሱ ይልማ ሕጋዉነት ዘይብሉ ኣፅዋር ዝዓደጉ ሰባት፣ ኣይተ ሰለሙን ባህታን ኣይተ ይፍጠር (ወዲ ሰሜን ሽዋ) ዝተባሃሉ ኮይኖም፤ ንሳቶም ኣብ ቁፅፅር ምስ ወዓሉ ነቲ ከላሽን ብሒሳብ ብ28 ሽሕ ብር ነቲ ሽጉጥ ድማ ብሒሳብ 15 ሽሕ ብር፣ ሕጋዊ ኣምሲሉ ከም ዝሸጠሎም ብምቅላዕ “ሕጋዉነት ዘይብሉ እንተኾይኑ ከኣ ንሕና ዘይኮና ክንእስር ዘለና ኣይተ ኣድማሱ ይልማ እዩ ተኣሲሩ ክሕተት ዘለዎ” ክብሉ ቃሎም ከም ዝሃቡ ካብ ዉሽጢ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ባህርዳር  ዝበፀሓና ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።

እንተኾነ ግና እቶም ዓደግትን ብአግዝቪት ዝተተሓዘ ኣፃዋርን ኣብ ቁፅፅር ፖሊስ ዝርከቡ ኮይኖም እቲ በዓል ስልጣን ግና ክሳብ ሕዚ ይትረፍ ክእሰር ብዛዕባ እቲ ተፈፂሙ ዝበሃል ዘሎ ጥርጣረ ገበን ኣብ ፖሊስ ቀሪቡ ቃሉ ክህብ ብዘይምግባሮም ህዝቢ ነቲ ዘይፍትሓዊ ኣካይዳ እቲ ስርዓት ክንደይናይ ኣብ ግዕዝና ጥሕሉ ከምዘሎ ዝገልፅ ከምዝኾነ ብሰፍሑ ይዛረበሉ ከምዘሎ  እቲ ሓበሬታ ወስኹ ገሊፁ።