Sunday, July 14, 2013

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ፒያሳ ዝርከብ ጫንፈር ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያ ሓደ ሰራሕተኛ ምስ ማናጀር ናይቲ ባንክ ብምምሽጣር 3 ሚልዮን ብር ሒዙ ከም ዝጠፈአ ተሓቢሩ።



ብመሰረት እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ፣ ኣይተ ዮዉሃንስ ተስፋይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያ ጨንፈር ፒያሳ ተቖፂሩ ክሰርሕ ዝፀንሐ ሰራሕተኛ ብ4 ሰነ 2005 ዓ.ም ምስ ዋና ማናጀር እቲ ጨንፈር 3 ሚልዮን ብር ብስራሕ ኣመኽንዩ ሒዙ ክወፅእ እሞ፤ ካብቲ ዘዉፅኦ ገንዘብ ሓደ ሚልዮን ብር ነቲ ማናጀር ገዲፍሉ ክኸይድ ተሰማምዖም ዝፈፀምዎ እኳ እንተነበረ፤ ንሱ ግና ዝኾነ ይኹን ገንዘብ ከይገደፈሉ ሕዝዎ ከም ዝጠፈአ ተገሊፁ።
   እቲ ሓላፍን ሰራሕተኛን ብረብሓ ተሰማምዖም ካብቲ ባንኪ ኣጭብርቢሮም ክወፅእ ዝገበርዎ 3 ሚልዮን ብር፣ ብዘለዎም ሓላፍነትን ስራሕ ክፍፍል ተጠቒሞም ሕጋዊ መንገዲ ብዝመስል፣ ማናጀር ናይቲ ጨንፈር ባንክ እቲ ገንዘብ ብሽም ዮዉሃንስ ተስፋይ ወፃኢ ኮይኑ ንስራሕ ክዉዕል ከም ዝኾነ ዝሕብር መእዘዚ ወረቐት ኣዳልዩ ብምፍራም፤ ካብ ካሸር ናይቲ ባንክ ዝወሰድዎ ገንዘብ፣ ድሕሩ ከምዝተፈልጠ ኣብ ሕጋዊ ስራሕ ዘይኮነ ኣብ ንዉልቃዊ ረብሓ ከም ዝወፀ ንምርዳእ ተኻእሉ።
ነቲ መጠን ገንዘብ ብስራሕ ኣምሲሉ ክወፅእ ዝኣዘዘ ማናጀር፣ እቲ ገንዘብ ንሕጋዊ ስራሕ ወፃኢ ከም ዝኾነን፤ እንተኾነ ስራሕተኛ ዮዉሃን ነቲ ዝተወሃቦ ተልእኾ ጠሊሙ ከም ዝጠፈአ ኣምሲሉ ንባዕሉ ነፃ ጌሩ ኣብ ስርሑ ክቕፅል ብዘኽእል ተመሻጥሮም ዝፈፀምዎ እኳ እንተነበሩን፤ ኣብ ከይዲ ብዝተገብረ ፈተሻ ሰነድ ግና እቲ ገንዘብ ብላዕለዎት ዝፍለጥ ዝኾነ ገንዘብ ዝሓትት ስራሕ ከም ዘየነበረ፣ ኮነ ተባሂሉ ዝተኻየደ ጉሕለት ከም ዝኾነ እቲ ሓበሬታ ናይ ውሽጢ ሰራሕተኛታት እቲ ባንክ መሰረት ብምግባር ዝበፀሓና ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ።