ብግዕዙይን ከፋፋልን ምሕደርኡ መላእ
ህዝቢ ኢትዮጵያ ርሒቕዎ ኣብ ስግኣትን ጥርጥርን ወዲቑ ዘሎ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ነቲ ናይ ሓደ ክልል
ተወላዲ ምስ ካልእ ክልል ተወላዳይ ብኣካል ተራኺቡ ርክባት ብምጥንኻር ካብ ስልጣን ከይዓልዎ ዘሰገኦ መንእሰይ ወለዶ ንምድኻም፤
ኣብ ከተማ ባህርዳር ንዝርከቡ ካብ ካልእ ክልል ስራሕ ደልዮም ዝኸዱ መናእሰይ ካብ ስራሕ ቦትኦምን ዝዓረፍሉ ገዝኦምን እናኣለሹ፣
እንታይ ክትገብሩ መፂኹም መለለይ መንነት ወረቐት ኣምፂኡ ዝብል ምኽኒት ፈጢሮም ኣብ ምእሳርን ምክልባትን ተፀሚዶም ከም ዝርከቡ
ተፈሊጡ።
እቶም ኣብ ገዛእ ትዉልዲ ሃገሮም
ካብን ናብን ተቀሳቐሶም ህይወቶም ንምምራሕ ላዕሊ ታሕቲ ንዝብሉ ዜጋታት ብስርዓት ወያነ ከም ሓደ ገበነኛ ተቖፂሮም ካብ ዝእሰሩ
ዘለዉ መናእሰይ ገሊኦም መለለይ መንነት መታወቅያ ካርድ ዘለዎ እኳ እንተኾኑ፤ ፌዴራል ፖሊስን ኣባላት ፖሊስ እታ ከተማን ግና
ኣብዚ ክትሰርሑ መን ኣፍቂድልኩም ብዝብል ሕቶ እናዋጠሩ ንሕስያ ብዘይብሉ ኣሲሮም ይቕጥቅጡን የሳቕዩን፤ከምኡ’ውን ብዘይ ዝኾነ ምፅራይ ብዓይኒ ዕሙተይ ኣብ ምእሳር ከም ዝርከቡ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።