Friday, July 12, 2013

ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ቋራ ኣብ ምእራይ ዕጣን ተዋፊሮም ዝፀንሑ ብማሕበር ዝተወደቡ መናእሰይ መንግስቲ ዝኣተወሎም ቃል ስለ ዝጠለሞም ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

     እዞም ኣብ ወረዳ ቋራ ኣብ ምእራይ ዕጣን ዝተዋፈሩ መናእሰይ  ብወልቀ ምስራሕ ገዲፎም፤ ብማሕበር ተወዲቦም ክሰርሑን ነቲ ዝኣከብዎ ዕጣን ድማ መንግስቲ ክዕድገሎም ምዃኑ ውዕሊ ብምፍፃም ናብ ተግባራዊ ስራሕ ድሕሪ ምእታዎም፣ ነቲ ብዙሕ ጉልበትን ገንዘብን ብምፍሳስ ዝኣረይዎ ዕጣን በቲ ውዕሎም መሰረት መንግስቲ ንኽገዝኦም ኣብ ዝሓተትሉ ኣይርከቦን ስለ ዝበሎም ከቢድ ክሳራ ከም ዘጋጠሞም ነቲ ማሕበር መሰረት ጌሩ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ።
     እቶም መናእሰይ ንነዊሕ  እዋን ብፀሓይን ቁሪን ምስ ኣፃድፍን ለመምትን ገጥሞም ብኸቢድ ድኻም ዝኣከብዎ ዕጣን መንግስቲ ዝኣተወሎም ቃል ስለዝጠለሞም ዝገዝኦም ኣካል ሲኢኖም ንኽሳራ ምቅልዖም ስለዝተቆጥዑ፣ ነዚ ፍታሕ ንምርካብ ክብሉ ኣንፃር ግዕዝይ ምሕደራ ስርዓት ወያነ ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱን ነቲ ሰልፊ ዝመርሑን ሓላፊ ናይቲ ማሕበርን ዝኾኑ  ኣይተ ንጉሰ ኣበጋዝ  ብወገኖም “ዋላ’ኳ ሰለማዊ ሰልፊ እንተካየድና ብመንግስቲ መዳይ ዛጊድ ዝተወሃበና ምላሽ የለን” ክብሉ ምግላፆም እቲ ተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።