Saturday, July 13, 2013

ኣብ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ወልቃይት ንመስርሒ ሽኮር ፋብሪካ ተባሂሉ ወፃኢ ዝኾነ ንብረት ብኣካየድቲ እቲ ስራሕ እናተሸጠ ይጠፋፋእ ከም ዘሎ ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ገሊፁ።



  ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ወረዳ ወልቃይት ንዝርከብ ሽኮር ፋብሪካ መስርሒ ክውዕል ብዝብል፤ ብኽልተ መካይን ተፃዒኑ ዝተልኣኽ  ተንዲኖ፤ ሲሚንቶን፤ ጣውላታታን ኣብ  ከተማ ባህር ዳር  ምስ በፀሐ ንዉልቀ በዓል ሃፍቲ ወናኒ መኽዚን ኣይተ  መንግስቱ  ተሸይጡ ክራገፍ ኢድ ብኢድ ብ01 ሓምለ 2005 ዓ.ም ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ።
 እቲ ብቑፅሪ ታርጋ መኪና 30816ን 11019ን ተፃዒኑ ዝተልኣኸ ንብረት ህዝብን መንግስትን ብኣካየድቲ እቲ ትካል ንወልቀ ሃፍታማት  ተሸይጡ እንትራገፍ፤ ብምትሕብባር ህዝቢ ዋላኳ  ተታሒዞም ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ፖሊስ ዝተረከቡ እኳ እንተኾኑ፤ እቶም ጥርጡራት ሰባት ይኹኑ እተን መካይን ብዘይምንም ምፅራይ ከም ዝለቐቑዎም ተፈሊጡ።
   እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ክልል ኣምሓራ  ኣብ ወረዳ ወርኢሉ ንፅጉማት ኣካላት ሕብረተሰብ ሓገዝ ተባሂሉ ዝተልኣኸ ልዕሊ 7,000 ኩንታል እኽሊ፣ ኣማሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣይተ ኣበበ ኣዲሱ  ምስቶም ኣብኡ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ተመሻጢሩ ብምሻጥ ኣብ ወልቃዊ መነባብርኡ ድሕሪ ምውዓል፤  ተመሊሱ ድሕሪ ሰለሰተ መዓልቲ እቲ መኽዘን እኽሊ ተሰሪቑ ኢሉ ንመንግስቲ  ዋላ’ኳ ጥርዓን እንተቕረበ ነባራይ ህዝቢ እቲ ከባቢ ግና ባዕሉ እቲ ኣማሓዳሪ እዩ ሰሪቕዎ ዝብል እምነቱ ኣብ ምግላፅ ከምዝርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።