Saturday, October 26, 2013

ኣባላት ካብኔ ክፍለ ከተማ ኲሓ ገንዘብ ህዝብን ሃገርን ዝበልዑ ስበ ስልጣን እታ ክፍለ ከተማ ከይተኣለዩ ባጀት 2006 ዓ.ም ኣይነፅድቕ ከም ዝበሉ ምንጭታትና ካብ’ታ ከተማ ሓቢሮም፣




ኣብ ዞባ መቐለ ክፍለ ከተማ ኲሓ ዝርከቡ ኣባላት ካብኔ ብ7 ጥቅምቲ 2006 ዓ.ም ኣብ ዝተጋብአሉ። ኣጀንዳ እቲ ኣኼባ ሕሉፍ ስራሕ ናይ 2005 ዓ.ም ገምጊምካ ባጀት 2006 ዓ.ም ንምፅዳቕ ዝብል እኳ እንተነበረ። ተጋባእቲ ግና ኣብ’ታ ክፍለ ከተማ ዘለዉ ፈፀምቲ ኣካላት ካብ ስልጣኖም ከይተኣለዩ። ሓዱሽ ነፅድቖ ባጀት የለን ክብሉ ብሓደ ድምፂ ከም ዝተቓወምዎ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ፣

እቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣብቲ ኣኼባ ካብ ዘቕረብዎ ቀንዲ መቃወሚ ሓሳብ። ኣብ ዝሓለፈ ባጀት ዓመት ብርክት ዝበለ ገንዘብ ብዉልቀ ሰበ ስልጣን እታ ክፍለ ከተማ ከም ዝተጠፋፍአ ኣብ ዘካይድዎ ገምጋም ተረጋጊፁ ከብቅዕ። ክሳብ ሕዚ እቶም ዉልቀ ሰባት ብሕጊ ኣይተኸሰሱ ካብ ስልጣንም ኣይተኣለዩ። ከም ቅኑዓት መራሕቲ ተቖፂሮም ኣብ መርሕነት ክቕፅሉ ንምንታይ ከም ዝተገብረ እኹል ምላሽ ከይረኸብናሉን ንሕና ከይኣመናሉን። ዳግም ኣጠፋፍእዎ ኢልና ባጀት ቀፃሊም ዓመት ብሓላፍነት ኣይነፅድቕን ብምባል ነቲ ኣጀንዳ ብትሪ ነፂገሞ እዮም፣

ነቲ ግዕዙይ ኣካይዳ ፈፀምቲ ኣካላት እታ ክፍለ ከተማ ፍታሕ ክግበረሉ ካብ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣትሕዞም ደጋጊሞም ሕቶ ከቕርቡ ፀኒሖም ሕትኦም ግቡእ ቆላሕታ ኣይተዋህቦን። እዙይ ድማ ከም ወሰንቲ ኣካላት ዘይምርኣይና ዘረድእ እዩ ዝበሉ ‘ቶም ኣባላት ካብኔ። ሕዚ እዉን እዙ ኣካይዳ ከይተስተኻኸለ ንግምግሞን ነፅድቖን ነገር የለን ብምባል ፊትንፊት ካብ ዝተኸራኸሩ ኣባላት ካብኔ ንምጥቅስ።

1.         ቀሺ ገብረዝጊኣብሄር ኣርኣያ
2.         ወ/ሮ ሓዳስ ኣስገዶም
3.         ሓጎስ ገብረዋህድን
   4.      ካሕሱ መለስን ካብቶም ብዙሓት ገልኦም ከም ዝኾኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣