ኣብ ዞባ
ኣዊ ወረዳ ጃዊ ቀበሌ ኣሉኩራንድ ከባቢ ኣልመሽ ተደኲኑ ኣብ ዝርከብ ህብር ሽኮር ፋብሪካ ዉሽጢ ብቀዋምን ግዚያዉን ተቖፂሮም
ዝሰርሑ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰራሕተኛታት። ምምሕዳር ኮነ ኢሉ ካብ ስርሖም ንምስንኻልን ምስ’ቲ ፋብሪካ ኣባኢሱ ብናይ ባዕሉ ኣባላት
ንምትካእ ካብ ዘለዎ መደብ። ኣብዚ ቅንያት ብተኸትታታሊ ኣብ ስራሕ መዓልቲ ብምእካብ ኣብ ዉሽጢኹም ኣሸበርቲ ሰሊኾም ኣለዉ
ኣዉፅእዎም። ንሕና ባዕልኹም ክተቃልዕዎም ኢልና’ምበር ቅድሜኹም ፈሊጥናዮም እናበሉ ክፈራርሕዎም ከም ዝቐነዩ ምጭታትና ካብ’ቲ ቦታ ገሊፆም፣
ነቶም ሰራሕተኛ
ኣኪቦም ሓበሬታ ንምዉሳድ ካብ ኣሸበርቲ ዝተላእኹ ኣለዉ ኣዉፅእዎም እናበሉ ኣኪቦም ካብ ዘጨንቕዎምን ካብ ስርሖም ዘሰናኽልዎምን
ዘለዉ ዕሱባት እቲ ስርዓት። ናይቲ ትካል ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ኣካያዲ ስራሕ ኣይናኣዲስ፤ ሱፐር ቫይዘራት ኣይተ ነብርሸትን
የቻለ ጋሹን ከምኡ’ዉን ኣኽበርቲ ፀጥታ እቲ ስርዓት ወታሃደር ካሳሁንን ስንቴን ኮይኖም። ዘለዎም ሓላፍነት ተጠቒሞም ኣብ ልዕሊ
እቶም ሰራሕተኛ ፀቕጢ ብምፍጣር ክሳብ ሕዚ ብርክት ዝበሉ ወገናት ናይ ዝሰርሕሉ ደመወዞም ከይተኸፈሎም ከም ዝተባረሩ ተፈሊጡ፣