Friday, December 20, 2013

ኣብ ዞባ ኣዊ ወረዳ ጃዊ ዝርከቡ ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈት ግብርና ኣብ ግዕዝይና ጥሒሎም ከም ዝርከቡ ተገሊፁ፣



ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ  ወረዳ ጃዊ ዝርከቡ ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈት ግብርና  ዘይሰርሕሉ ናይ ወርሒ ሕዳርን ጥቅምትን መዓልታዊ  ኣበል ክሰረሐሎም ብምእዛዝ ገንዘብ ህዝብን መንግስትን የባኽኑ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ካብ’ቶም  ኣብ ምጥፍፋእ ዝተዋፈሩ ሓለፍቲ ሓደ ድማ  ግርማ ፈረደ  ከም ዝኾነ  ተፈሊጡ፣

ግርማ ፈረደ ስልጣኑ ተጠቒሙ ከባንቡሉክ ዝተበሃለ ቀጠና ማሕበራት  8 ኩንታል መዳበርያ ሸይጡ ኣብ ወልቃዊ ረብሓታቱ ከም ዘውዓሎ ድሕሪ ምግላፅ። እቲ ዝሸጦ መዳበርያ ኣብ ገምጋም ተላዒሉ እኳ እንተነበረ።  ኣብ ልዕሊኡ ዝተወስደ ቀፃዒ ስጉምቲ ከም ዘየለ  ካብ’ቲ  ወረዳ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣

      እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ  እቲ በዓል ስልጣን ኣብ’ቲ  ቤት ፅሕፈት ንዘርእዮም ናይ ግዕዝይና ስራሕቲ ኣመልኪቶም ንዝገምገምዎ ሰራሕተኛታት እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ዝተፈላልዩ ጥቕማ ጥቕምን ዕድላት  ትምህርቲን ከም ዝዓፅዎም እቶም ሰራሕተኛታት ኣብቲ ዝተኻየደ ገምጋም ከም ዝገለፁ  ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣