ኣብ
ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ከፋ ወረዳ ጫና ዝነብር ብርክት ዝበለ ህዝቢ ሱር ዝሰደደ ፀገም መሰረተ ልምዓት ዘለዎም ኮይኑ። ነቲ
ምስ ዕለታዊ ህይወት መነባብርኦም ዝጠበቐ ምትእስሳር ዘለዎ ስእነት መሰረተ ልምዓት ቀዳምነት ተራእዩ ፍታሕ ክግበረሎም
ብተደጋጋሚ ኣብ መድረኻትን ናብ ዝምልከቶ ኣካል ቀሪቦምን ሓቲቶም ሰማዒ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ምንጭታትና ከብቲ ከባቢ ገሊፆም፣
ቀዳምነት
ተራእዩ ክፍታሓሎም ካብ ዝሓተትዎ ዘለዉ መሰረተ ልምዓት። ዝርገሐ ኤሌክትሪክ፤ ካብን ናብን ዘራኽብ ፅርጊያ፤ ዝስተ ፅሩይ ማይ
ትኹረት ተዋህብዎ ብዘይምስርሑ ኣብ ዝኸፈአ ፀገም ወዲቖም ከም ዝርከቡ ነበርቲ ጣብያ ዋቻ ኮይኖም። ንሳቶም ነቲ ኣብ ዕለታዊ
ህይወቶም መሰናኽል ኮይኑ ይፈታተነና ኣሎ ዝበለዎ ፀገም ብምምሕዳር ክረኣየሎም ጥርዓን ኣትሒዞም ናብ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ወረዳ ጫና
ደምሴ ዝለኣኽዎ ወኪል ህዝቢ ኣይተ ቃቆ ወልደገብርኤል ተቐቢሎም ኣሲሮም ስለ ዝሰወርዎ ህዝቢ ድማ ኣብ ክንዲ ንሕቶ ተቐቢልኩም ግብኡ
ምላሽ ምሃብ ወኪልና ዝላኣኽናዮ ወገና ናበይ ኣጥፍእኹሞ እናበሉ
ተቓዉምኦም ኣብ ምስማዕ ከም ዝርከቡ ኣረዲኡ፣
እዚ
ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣይተ ቃቆ ኣባል ዉድብ ቅንጂት ኮይኖም ተወላዲ እቲ ከባቢ ከም ዝኾኑ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ወሲኹ
ገሊፁ፣