እቶም
ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ኣብ ንግዲ ስራሕ
ተዋፊሮም ዓርሶምን ስድረኦም ከናብዩ ዝፀንሑ ዜጋታትና። ኣብዚ ሕዚ
እዋን ምስ ኣታዊኦም ዘይመጣጠን ግብሪ ክፈሉ ብዝብል ኣኼባታት ስለዝበዘሖምን ክሰርሑ ብዘይምኻሎምን ንኽሳራን ንድኽነት ብምቕልዖም
መረበቶም ራሕሪሖም ዝስደዱ ነጋዶ ቑፅሮም ካብ ዕለት ናብ ዕለት
ይወስኽ ከም ዘሎን ገለ ገለ ነጋዶ እውን እንተኾነ ክሰርሑ ስለዘይከኣሉ ትካላቶም ዓፅዮም ኮለል ይብሉ ከምዘለው ንምፍላጥ
ተኻኢሉ፣
እቲ ብ30 ሕዳር 2006 ዓ/ም ኣብ ከተማ ሑመራ ኣብ ዝተኻየደ ናይ
ነጋዶ ኣኼባ በቶም ኣመሓደርቲ ዝቐረበ ኣጀንዳ ስለምንታይ ነጋዶ ዓዶም ገዲፎም ይጠፍኡ ኣለዉ? ዝብል ኮይኑ። ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸቡ
ነጋዶ ከተማ ሑመራ ከዓ መረበቱ ዝፀልእ ሰብ የለን እንተኾነ ግን
ብሰንኪ ዝንቡዕ ኣወሳስና ግብሪ ዝበፅሕ ዘሎ ጉድኣት ከይኣክል። ወገሐ ፀብሐ ግብሪ ክፈሉ ንኽትብሉ በዝሒ ኣኼባታት
ብምፅዋዕኹም ኣብ ዕለታዊ ስራሕትና ዓቢ ሃስያ እናውረደ ብምምፅኡን። ንኸቢድ ክሳራ ብምቕልዕም ንዝተወሰኖም ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ
ግብሪ ክኸፍሉ ስለዘይከኣሉን መነባብራኦ ምስ ክብሪ ዕዳጋታት ተደሚሩ ም ኣብ ከቢድ ሽግር ብምውዳቖም ከም መማረፂ መረበቶም
ገዲፎም ክስደዱ ይግደዱ ኣለዉ ክብሉ እቶም ኣኼብተኛ ብምረት ምዝራቦም ምንጭታትና ካብ’ታ ከተማ ገሊፆም፣