ብመሰረት
እቲ ሓበሬታ። ንዓመታት ክነብርሉ ካብ ዝፀንሑ ክልል ደቡብ
ኢትዮጵያ ብሕጋዊ መንገዲ ናይ ሕርሻ መሬትን መጠሻን ተዋሂብዎም ክሳብ ሕዚ ክነብሩ ዝፀንሑ ተወለድቲ ኣምሓራ። ዝኾነ ዝፈፀመዎ ገበን
ዘይብሎም ኢትዮጵያዊ መንነቶም ተጎስዩ ብሄር ኣምሓራ ብምዃኖም ጥራይ ንልዕሊ 5 ሽሕ መራሕቲ ስድራ ኣብ ቤት ፍርዲ ክውሰን
ብምግባር ክስጎጉ ብምግባር ዘጥረይዎ ቀዋምን ተንቀሳቓስን ሃፍቶምን ጥሪቶምን ተመንጢሎም ብካድረታት መንግስቲ ኢህወዴግ ከም ዝተባረሩ
ኣረዲኡ፣
ኣብ
ወረዳ ጉራ ፈርዳ ዕድምኦም ምሉእ ክነብሩሉ ካብ ዝፀንሑ፦ ኣዴታት፤ህፃውንትን ብዕድመ ዝደፍኡ ወለድን ዝርከበኦም ብ10ታት
ኣሻሓት ዝቑፀሩ ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ ብፌዴራል ፖሊስን ዕጡቛትን ካድረታትን እቲ ስርዓት ካብ መንበሪ ገዝኦም እናተጎተቱ።
ኣስካሕካሒ ብዝኾነ መንገዲ ንድራር ዕለት ዝኸውን እንተይሓዙ ተባሪሮም ኣብ ማእኸል በረኻ ተደርብዮም ንሕሰም ናብራ ተቓልዖም ኣደዳ
ሕማምን ሞትን ከም ዝኾኑ ኣብ’ቲ እዋን በተደጋጋሚ ብዜና ምፍናዉና ይዝከር፣
በተመሳሳሊ
ኣብ ክልል ቤንሻንጉል-ጉሙዝ ክነብሩ ዝፀንሑ ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ በቲ ስርዓት ተወዲቦም ብዝተዋፈሩ ተወለድቲ ክልል ቤንሻንጉል-ጉሙዝ
ኣብ መንበሪኦም ይኹን ኣብ ዝተንቀሳቐስዎ ቦታ ክጋፍዕዎምን ንደቂ ኣንስትዮ ከዓ ሓዳር ይሃልወን ኣይሃልወን ክዕምፅወን ይግብር
ከም ዘሎን። እዙይ ድማ እቶም ተወለድቲ ኣምሓራ ዉሕስነት ህይወት ምስ ሰኣኑ ከይፈተዉ ካብቲ ክልል ለቒቖም ንኽወፁ ተባሂሉ።
በቲ ስርዓት ዝተኣለመ ዉዲት ከም ዝኾነ ካብቲ ክልል ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣