Friday, December 20, 2013

ህዝባዉን ሃገራዉን ሓላፍነት ዘይብሎም ሰበ ስልጣን ስርዓት ኢህወዴግ ዉልቃዊ ዕድመ ስልጣኖም ንምዉሓስ ክብሉ። ብከባብን ብሄርን ጉጅለታት ኣብ ምጥንኻር ተፀሚዶም ከም ዘለዉ ምንጭታትና ገሊፆም፣



ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ስልጣን ናይ ዘሎ ገዛኢ ፓርቲ ዝኾነ ሃይለማርያም ደሳለኝ ቀፃሊ ዕድመ ስልጣኑ ንምዉሓስ ክብል ብናይ ካልኦት ብሄር ተወልድቲ ተታሒዙ ዝፀነሐ ኣገደስቲ መሓዉራት እቲ ስርዓት ቀስብቐስ ብተውለድቲ ክልል ደቡብ ክትካእ እናገበረ ዝፀንሐ ኮይኑ። ከም መቐፀልታ ናሃቱ ሓላፊ ኮርፖሬሽን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ንዝነበረ ኣይተ እሸቱ ኣልዩ ሰንደቁ ብዝተበሃለ ተወላዲ ክልል ደቡብ ክትካእ ጌሩ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣

ተሸይሙ ዘሎ ሰንደቁ ዝተበሃለ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ሓላፊ ድስትሪክት ዝነበረ እንትኾን። ንሃይለማሪያም ደሳለኝ ዝቐረበን ተወላዲ ክልል ደቡብ ብምዃኑ ጥራይ ከም ሓደ ብቑዕ ተወሲዱ። ንኣይተ እሸቱ ብምእላይ ዝለዓለ ሽመት ክረክብ ምግባሩ ኣብ ዉሽጢ ላዕለዎት መሪሕነት እቲ ስርዓት ከባብያዊ ዝወለዶ ዘይምርድዳእ። ብዓብዪኡ  ኣብ ውሽጢ እቲ ኮርፐሬሽን ደቡብን ሰሜንን ብዝብል ጉጅለ ተኸፋፊሎም ኣብ ወጥርን ምስሓሓብን ተፀሚዶም ከም ዝርከቡ ካብ ዉሽጢ እቲ ስርዓት ልሒኹ ዝበፀሓና ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ፣