Thursday, December 12, 2013

ኣብ ከተማ ኣሶሳ ተመዲቦም ዝርከቡ ፌዴራል ፖሊስ ኣንስቲ ሓዳር ብሓይሊ ኣገዲዶም ይዕምፁ ከም ዘለዉ ተገሊፁ፣




ብመሰረት እቲ ሓበሬታ። ብሽም ፀረ-ሽፍታ ፍሉይ ሓይሊ በቲ ስርዓት ተወዲቦም ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ሃገርና ተመዲቦም ንፀረ ህዝቢ መንግስቲ ኢህወዴግ ኣብ ምግልጋል ዝርከቡ ፌዴራል ፖሊስ። ኣብ ክልል ቤንሻንጉል-ጉሙዝ ከተማ ኣሶሳ ወረዳ ባሎጅ-ጋንፎ ቀበሌ ሶጌ ዝነብራ ኣንስቲ ሓዳር። ናብ መንበሪ ገዛውቲ ብምእታዉን ንሰብኡተን ንባዕለነን  ብኣፈሙዝ ብረት ብምፈርራሕ ብርክት ዝበላ ኣንስቲ ሓዳር ከም ዝዓመፁ ንግዳያት መሰረት ብምግባር ካብቲ ቦታ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
እቶም ዕድመ ስልጣን መንግስቲ ኢህወዴግ ከዉሕሱ ተባሂሎም ብፍሉይ ዉዳበ መዋቕር ተጌርሎም ኣብ’ቲ ከባቢ ዝተዋፈሩ ፌዴራል ፖሊስ። ካብ ዝምደቡ ክሳብ ሕዚ ህዝቢ ካብ ምግፋዕን ምዕማፅን ደቂ ኣንስትዮ ሓሊፎም ዝሰርሕዎ ስራሕ የለን ዝበለ እቲ ሓበሬታ። ብፍላይ ከዓ ብቀትሪ ዓይኖም ዘዉደቑላ ጓል ኣንሰትይቲ በዓልቲ ሓዳር ትኹን ኣይትኹን ከይተገደሱ ብሓይሊ ከይዓመፅዋ ስለ  ዘይዓርፉ ነባሪ ሕብረተሰብ ኣብ ዓብዪ ፍርሕን ራዕድን ወዲቑ ከም ዘሎ ተገሊፁ፣
ካብተን ኣንስቲ ሓዳር  ንሰብኡተን  ኣፈራርሖም ዝዓመፅወን ዝተወሰና ንምጥቃስ።-
1.         ወ/ሮ ብርትኳን በዓልቲ ቤት ኣይተ ኣደመ
2.         ወ/ሮ ጥሩኣለም በዓልቲ ቤት ኣይተ ኣበበ ኣለማዮህ
3.         ወ/ሮ መኣዛ በዓልቲ ቤት ኣይተ ኣስራትን ካልኦት ዘይተጠቐሳን ዝርከበንአን ኮይነን። ካብ’ቶም ኣብ ኣነዋሪ ዓመፅ ተዋፊሮም ዘለዉ ፌዴራል ፖሊስ ዉሽጢ ድማ ኮንስታብል ግርማ ዝተበሃለ ዝርከቦም ኮይኖም እዚ ዝፍፀም ዘሎ ድማ ኣብ ልዕሊ  ተወለድቲ ናይ ካልኦት ክልል ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ወስኹ ገሊፁ፣