እተን
ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ካብ ዝተወደባ ቀሊል ግዜ ዘየቑፀራ 25 ደቀቕትን ኣናሽተይን ማሕበራት።
ብሰንኪ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ግዕዙይን ዘይሓላፍነታዉን ኣሰራርሓ ዝተወደባሉ ዕላማ ከሳልጣ ብዘይምኽኣለን ኣብ ትሕትአን ተጠርኒፎም
ዝርከቡ ኣባላት ንዝኸፈአ ማሕበራዊ ህይወት ብምቅልዖም መረረቶም ኣብ ምስማዕ ከም ዘለዉ ንግዳያት መሰረት ዝገበረ ሓበሬታ
ኣረዲኡ፣
እቶም
ኣባላት እዘን ማሕበራት ኣብ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ቀበሌታት 01,03,04ን ካልኦት ቀበሌታትን ዝስራሕ ዘሎ ምንፃፍ እምኒን
ዉሕጅ መተሓላለፊ መትረብን ንካልኦት እናተዋበ ንዓና ስለ ምንታይ ዘይወሃበና ኣድልዎ ይፍፀም ኣሎ ብምባሎም ከም ፀረ መንግስቲ
ተቖፂሮም። እተን ዝተወደቡለን 25 ማሕበራት ልቃሕ ገንዘብ ኣብ ዝሓተታሉ ንሓንቲ ማሕበር 900 ሽሕ ብር ጥራይ ክወስዳ ስለ
ዝተፈቐደ። እቶም ኣባላትን ንምንታይ ኣባና በፂሑ ዝቕነስ ብምባል ካልእ ተቓዉሞ ከልዕሉ ዝገብሮም ጉዳይ ከም ዝኾነ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ፣
ኣብ’ዚ
ዓመት ንቤት ፅሕፈት ደቀቕትን ኣንእሽተይን ሽረ-እንዳስላሰ ልዕሊ 75 ሚልዮን ብር ባጀት ተመዲብሉ እኳ እንተኾነ። ኣብ ዉሽጢ
እቲ ቤት ፅሕፈት ብዘሎ ብልሹዉ ኣሰራርሓ ዝተወደባ ማሕበራት ነቲ ገንዘብ ብልቓሕ ወሲደን ከይሰርሓ የሰናኽለን ብምህላዉ።
ኣባላተን የጋጥሞም ብዘሎ መሰናኽል ንፀገማቶም መፍትሒ ብምሳኖም እተን ማሕበራት ናይ ምፍራስን ኣባላተን ናይ ምብትታን ሓደጋ ኣንፀላልይዎም
ከም ዘሎ ኣብ እሙናት ምንጭታትና ኣገንዚቦም፣