ኣብ
ዝሓለፈ እዋን መቆፃፀሪ ሒሳብ ኣታዉን ወፃእን ዘይብልኩም ተባሂሎም ብትእዛዝ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ትካላቶም ተዓሺጉ ኣብ ከቢድ
ፀገም ወዲቖም ጥርዓን ከስምዑ ዝፀንሑ ነጋዶ። ኣብዚ ሕዚ ግዜ ምምሕዳር እታ ከተማ ‘ትካላትኩም ክኽፈት እንተኾይኑ ጥፍኣተኛታት
ኢና ኢልኩም ብግልፂ ንመንግስቲ ይቕሬታ ሕተቱ። ኣይንብልን እንተልኩም ግና ትካልኩም ኣይኽፈትን’ ከም ዝበሎም ተበደልቲ
ንምንጭታትና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊፆም፣
እቲ
ሓበሬታ ወሲኹ ምምሕዳር እታ ከተማ ብፍላይ ከዓ ኣመሓዳሪ ወረዳ ሓድነት ነቶም ትካሎም ዝተዓሸጎም ነጋዶ ኣኪቡ። ‘ንስኹም
ዝፈፀምኩሞ ጥፍኣት ኣዚዩ ከቢድ እኳ እንተኾነ። መንግስትና መሓሪ ስለ ዝኾነ ይቕሬታ ንዝሓተተ ነጋዳይ ትካሉ ክኽፈተሉ ከም
ዘለዎ ከፍቅድ እንተሎ ስለ ምንታይ ቀልጢፍኩም ይቕሬታ ዘይተሓቱ እናበለ ብምፍርራሕ ተገዲዶም ይቕሬታ ክሓቱ ንምግባር ላዕሊ
ታሕቲ ኣብ ምባል ተፀሚዱ ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ነቲ ሃንደበታዊ
መምርሒ ዘየማልእኹም ተባሂሎም ኣብ መቐለ ዝተዓሸጉ ናይ ንግዲ ትካላት
ኣስታት 1000 ምዃኖም ኣብ ናይ ዝሓለፈ ቅንያት ዜናና ከምዘቃላሕናዮ ይፍለጥ፣