Friday, December 13, 2013

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ፍኖተ ሰላም ዝርከቡ ኣማሓደርቲ ህዝቢ ንህዝቢ ብሃይማኖት ምኽንያት ፈጢሮም የናቑጥዎ ከም ዘለዉ ካብ’ቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ገሊፁ፣



ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ። ህዝቢ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ኣብ ልዕሊ ግፍዐኛታት ሰበ ስልጣን ኢህወዴግ ኣንፃሮም ከይልዓል። ኣብ ዉሽጡ ብሃይማኖት ከፋፊሎም ብዓይኒ ፅልኢ ተጠማሚቱ ሕድ ሕዱ የጋጭውዎ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ።  ካብ’ቶም ኣብ’ቲ  ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ዝተዋፈሩ ልኡዃት ኮራኽር መንግስቲ ኢህወዴግ ከንቲባ ከተማ ፊኖተ ሰላም ዝኾነ ኣይተ ኣሸብር ዮሃንስ  ምዃኑ ተገሊፁ፣
  ኣይተ ኣሸብር ነቲ ስልጣኑ ተጠቒሙ ዝፍፅሞ ዘሎ ህዝቢ ናይ ምክፍፋል ውዲት ከይፍለጥ ብምስጋእ ሓልዪ ንምምሳል ኣብ ወረዳ ፍኖተ ሰላም ንዝርከቡ መንእስያት ብ26 ሓዳር 2006 ዓ/ም ብምእካብ። “መን እዩ  ኣብ መንጎ ኣመንቲ ሃይማኖት ምስላምናን ክርስትናን ፅልኢ ክለዓል ዝገብር ዘሎ ምኽንያት እንታይ ‘ዩ ዝብል መፈራርሒ ሕቶ  ከም ዘቕረበሎም”  እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ገሊፁ፣
    ብወገን እቶም መንእስያት ድሮ ነቲ ሓዊ ዘሳውር ዘሎ እቲ ስርዓትን ተለኣኣኽቱን  ምዃኖም ነቂሖምሉ ስለ ዘለዉ። ነቲ ዝቐረበ ሕቶ ምስሉይ ምዃኑን እቲ ሓቂ  እንተተዛሪቦም ከይእሰሩ ብምፍራሕ ስቕታ ከም ዝመረፁ ተገሊፁ፣