ብመሰረት እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከባቢ ባድመ ተዋፊሮም ዝርከቡ ሰራዊት
ምክልኻል ናይ መበል 31 ክፍለ ሰራዊት ኣባልት ዝኾኑ ኣብቲ ከባቢ ናይ ዘለዉ ገባራት ጥሪት ዝኾና ኣጣል ብሓይሊ እናመንጠሉን
ከዉሊ ተጠቒሞም እናሰረቑን ናብ ቦተኦም ወሲዶም ብምሕራድ ይምገብዎን ምህላዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣
እቶም ጥሪቶም ዝተዘምቱ ገበራት ገለ ካሕሳን ንቐፃሊ መግትኢ እንተተገብረሉ ካብ ብዝብል ናብ’ቶም
ኣዘዝቲ ብምኻድ ብ8 ጥሪ 2006 ዓ.ም ጥርዓኖም ኣብ ዘቕረብሉ እዋን ናትና ወተሃደር ኣብ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ኣይዋፈሩን ብምብል ነቲ ብናይ ባዕሎም ትእዛዝ
ክፍፀም ዝፀነሐ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ክሽፍንዎ ዋላ እኳ እንተፈተኑ በቲ መልሶም ዝሓረቑ ብዱላት ገባራት ኣብቲ ከባቢ ሰፈሮም
ተደርብዩ ዝነበረ ናይተን ዝተበልዓ ኣጣል ቆርበት ከም
መርቶዖ ከም ዘቕረቡዎ ተፈሊጡ፣
እቶም ኣዘዝቲ ነቲ ዝቐረበ
መርትዖ ብምርኣይ ካብቲ ነባሪ ህዝቢ ክመፆም ዝኽእል ግብረ መልሲ ብምስጋእ። እቲ ነገር ብሽምግልና ክዓርፍ ዝገበርዎ ኮይኖም፤
ካብቶም ኣሸማገልቲ ቀሺ ታደሰን ኣይተ ገብርሂወት ታደሰን
እንትኾኑ ካብ’ቶም ጥሪቶም ዝተመዝዑ ገባራት
ድማ ኣይተ ወሉ ኣራኣያ ፖሊስ ነበር፤ ኣይተ ወሉ
ኣለማዮ፤ ኣይተ ሰለሙን እንባየ፤ ኣይተ ጃምባ ሓየሎምን ካልኦትን ከም ዝኾኑ
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ፣